Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።
Translation | Contextድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።
Translation | Contextዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
Translation | Contextከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
Translation | Contextንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር፡ እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ኪዀኑ፡ እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን። ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ኪዀኑ ምዓዶም። ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።
Translation | Contextደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ። እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሐለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ አለዉ። ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ኪፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ኪህብዎ እዮም። ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ዀይኖም ኪፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኴይኖም ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።
Translation | Contextበቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን። ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኤኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተአሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ።
Translation | Contextወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።
Translation | Contextከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን። ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡ ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ። ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶ። ዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ።
Translation | Contextብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሀቡ። ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
Translation | Contextንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዚወጽእ እዩ ዜርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዚአቱስ ንሰብ ኣየርክሶን።
Translation | Contextካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል።
Translation | Context