Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

cancer


ኤርምያስ 30:17 | 19 Helpful votes

እታ ድርብይቲ ሓደ እኳ ግዳ ዘይገብር ጽዮን፡ ኢሎም ሰምዮምኺ እዮም እሞ፡ ኣነ ኸጥዕየኪ ንቚስልኺውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:16-18 | 18 Helpful votes

እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። እቲ ዚርኤ ንጊዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዚርኤ ኣይንጥምትን ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:4 | 15 Helpful votes

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ

Translation | Context
መዝሙር 107:20 | 6 Helpful votes

ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፣ ካብ ጕድጓዶም ከኣ ኣናገፎም

Translation | Context
ማቴዎስ 15:13 | 5 Helpful votes

ንሱ ግና መለሰ በለውንናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ኺምንቈስ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 139:15-16 | 4 Helpful votes

ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻንኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 4 Helpful votes

ጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
መዝሙር 103:1-4 | 4 Helpful votes

ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዅሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ። ነፍሰይንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ

Translation | Context
ምሳሌ 4:20-22 | 4 Helpful votes

ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንንንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀንኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራኣምላኽ ንወዱዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን

Translation | Context
ማርቆስ 13:1-37 | 3 Helpful votes

ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱመምህርከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤበሎየሱስ ድማ፥ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪትርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም፥ እስኪ ንገረናእዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ ኪብሎም ጀመረሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑብዙሓት፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ኬስሕቱ እዮም። ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩምኣይትሸበሩእዚ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኪኸውንጥሜት ኪኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ። ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ኪህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ኪገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ኬብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑእቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዚውሃበኩም ደኣ ተዛረቡሓው ንሓውወላዲ ነሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ኪቐትልዎም እዮም። ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኺጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኺማላእ ንድሕሪት ኣይመለስበታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን። ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። እተን መዓልትታት እቲኤን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሐረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲኤን ኣሕጸረን። ሽዑ ሓደ እኳክርስቶስ ኣብዚ እንሆወይስ ኣብቲ አሎ፡ እንተ በለኩምኣይትእመኑ። ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም። በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምትወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ኪወድቁሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኺመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም። ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኺልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ኪእክቦም እዩ። ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩጨናፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔክረምቲ ኸም ዝቐረበትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ኪኸውን ከሎ እንተ ርኤኹም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ ፍለጡ። እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍብሓቂ ኣብለኩም አሎኹ። ሰማይን ምድርን ኪሐልፍቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ። ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን። እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑንቕሑን ጸልዩን። ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፥ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦምንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ አሎኹ፥ ንቕሑ

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 3 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን

Translation | Context
ኢሳይያስ 38:21 | 3 Helpful votes

ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ

Translation | Context