Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

buying a house


ዘዳግም 28:8 | 11 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርከካ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 24:27 | 8 Helpful votes

ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉደሓር ቤትካ ስራሕ

Translation | Context
እያሱ 1:3 | 6 Helpful votes

ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:5 | 6 Helpful votes

ቤት ስርሑ እሞ ንበሩላኣታኽልቲ ትኸሉ እሞ ፍሪኡ ብልዑ

Translation | Context
ምሳሌ 24:3-4 | 6 Helpful votes

ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ

Translation | Context
መዝሙር 37:4-5 | 6 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ። መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:18 | 6 Helpful votes

ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ኪነብር እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:9-11 | 5 Helpful votes

ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኺህበካዝመሐለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትንዘይኰዐትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሀበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ

Translation | Context
ዘዳግም 11:31 | 4 Helpful votes

ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዚህበኩም ምድሪ ክትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትአትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋን ክትነብርዋን ኢኹም።

Translation | Context
ዘዳግም 8:18 | 4 Helpful votes

ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውምሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 4 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
ዘዳግም 15:6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን

Translation | Context
ዘዳግም 5:33 | 3 Helpful votes

ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ

Translation | Context
ምሳሌ 22:7 | 2 Helpful votes

ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 12:1-3 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾምንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

Translation | Context
እያሱ 24:13 | 2 Helpful votes

ዘይጸዐርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሀብኩኹም፡ ኣብኤን ከኣ ትነብሩ አሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ አሎኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 23:1-35 | 2 Helpful votes

ኣብ መኣዲ ምስ መኰነን እንተ ተስራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል፡ ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም በብልዑ ኣይትብሀጎሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዐርንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ። ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዚነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፡ ናይ ክፉእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መብልዑ ኸኣ ኣየብህግካብላዕ ስተይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን። ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፡ ነቲ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ። ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ እዝኑ ኣይትዛረብ። ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይትእቶ። እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ኪማጐተልካ እዩ። ልብኻ ናብ ተግሳጽኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕናወደየልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡ እወ፡ ከናፍርካ ቅንዕና እንተ ተዛረበኰላሊተይ ደስ ይብለን። ብርግጽ ዓስቢ አሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሀልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ። ኣታ ወደየስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮሰካርን ህሩፍን ይደኽዩድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን። ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃንሓቂ ዓድጋ እሞ ኣይትሽጣንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮ ኸኣ። ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ባእኡ ባህ ይብሎ። ኣቦኻን ኣዴኻን ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ኸኣ ትተሐጐስወደየልብኻ ሀበኒኣዒንትካ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን። ኣመንዝራስ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጕድጓድ እያ። ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሓት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም። ዋይዋታ ንመን እዩ፡ ሓዘን ንመን እዩ፡ ባእሲ ንመን እዩ፡ ምስቍርቋር ንመን እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፡ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ፡ ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ። ወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ። ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፋፍ የብል። ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡ ወቒዖምንስ ኣይትሰምዓንንዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ፡ መሊሰ ኽደልዮ እየ።

Translation | Context
እያሱ 1:11 | 2 Helpful votes

ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትውዋስድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉኢልኩም ኣዝዙ

Translation | Context