Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እተረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።
Translation | Contextከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ኬቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዚህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።
Translation | Contextብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
Translation | Contextንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ድማ፣ እቲ ራእይ ንምዱብ ጊዜ እዩ፣ ናብ መወዳእታ ይቕልጥፍ አሎ፣ ኣይሕሱን ከኣ እዩ። ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ፣ እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ። ስለዚ ብጕያ ኺንበብሲ፣ ነቲ ራእይ ጽሐፎ፣ ኣብ ሰሌዳታትውን ቅረጾ፣ ኢሉ መለሰለይ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ፧ ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ፧ እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፣ ብልሳኑ ዘይሐሚ፣ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፣ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፣ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረአዮ፣ ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዜኽብሮም፣ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፣ ነቲ ዝመሐለሉ ዘይልውጦ፣ ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፣ ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፣ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለአለም ኣይናወጽን እዩ።
Translation | Contextንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።
Translation | Contextወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።
Translation | Contextናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዚብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኺወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሐገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቊጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሐለፉ። ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ኪኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። ሚስያ ምስ ሐለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። ንሱ ራእይ ምስ ረአየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዚግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። ልድያ እትብሀል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዚብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ። ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረአዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሐዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሐብዎም እሞ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ አለዉ፡ ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ አለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኺሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ። እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረአየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ። ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ አሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝአመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሐጐሰ። ምድሪ ምስ ወግሔ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለአኹ። እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም አለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኺሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኼግልሱውን ለመንዎም። ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረአይዎም ከኣ፡ መዐድዎም ካብኡውን ሐለፉ።
Translation | Context