Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

burning incense


መዝሙር 141:2 | 21 Helpful votes

ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣንምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 16:12-13 | 20 Helpful votes

ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፡ ካብቲ እተጐድኤ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒደበና ዕጣን ምእንቲ ኪኽውሎ ከኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ

Translation | Context
ሚልክያስ 1:11 | 11 Helpful votes

ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፣ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዐጥኑንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት

Translation | Context
ዘጸአት 30:1-38 | 9 Helpful votes

ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮምንዋሑ ሓደ እመትምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን። ላዕላዩን ጎቦታቱን ብዙርያኡኣቕርንቱ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ኸኣ ኣኽሊል ኣዙረሉክልተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ግበሮብእኡ ኺጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኺኣቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ። እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮብወርቂ ኸኣ ለብጦ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግበሮ። ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠንንግሆ ንግሆ ቐነድል ኬዳሉ ኸሎ ዕጣን ይዕጠን። ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ኬብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠንጋሻ ዕጣን ኰነ፡ ዚሓርር መስዋእቲ ዀነ ወይ መስዋእቲ ብልዒኣይተቕርቡሉመስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዓዉ። ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕንውሉድ ወለዶኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ምስ እትቘጽሮም፡ ምስ ተቘጽሩ፡ በቲ ምቝጻሮም ሕማም ከይኰኖምነፍሲ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ። ነፍሲ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሀብሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን። ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሐለፈወዲ ዕስራ ዓመት ካብኡ ንላዕሊውን፡ እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሀብ። እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኸሎኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕድኻ ኸኣ ኣየውሕድ። እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ንፍስኹምንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ኪኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንመሕጸቢ ዚኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ እሞ፡ ማይ ግበረሉ። ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሐጸቡ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ ብምንዳድ ኬገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዚቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስማይ ይተሐጸቡ። ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሐጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም፡ ንእኡን ንዘርኡንንውሉድ ወለዶኦምስርዓት ዘለኣለም ይኹን። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዚነጥብ ከርበፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃልካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን። ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡ ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ። ቅዱስ ቅዱሳን ኪኸውን ድማ ቀድሶዚትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ኪዀኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምንንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይ። ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኵዖ፡ ካልእውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ኻብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎጥዑም ጨናታትከርበን ሸኽለትን ከልበናንጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ኸም ዚኸውን ጌርካ ውሰድ። ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕብኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅብኢ ዕጣን ግበሮ። ካብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። እቲ በዚ ኣገባብራኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ። ዝዀነ ይኹን ኪዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለ ዚገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:13 | 6 Helpful votes

ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትንኣኼባ ማሕበርንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ።

Translation | Context
ራእይ 5:8 | 6 Helpful votes

ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትንነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞምእዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ

Translation | Context
ዘሌዋውያን 10:1-2 | 6 Helpful votes

ናዳብን ኣቢሁንደቂ ኣሮንጸጽንሃሆም ሐዙሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖምኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ

Translation | Context
ራእይ 8:3-5 | 5 Helpful votes

ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኺወስኾ ኸኣብዙሕ ዕጣን ተዋህቦእቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦናብ ምድሪውን ደርበዮነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ

Translation | Context
ዘጸአት 40:1-38 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ። ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ። ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣብኡ ዚነበር ኣቓሑ ስርዓሉቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ኸኣ፡ እቲ ቐነዲሉ ኣንብረሉ። ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ። ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮማይ ከኣ ግበረሉ። ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮዘይቲ ቕብኣት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን። ንመሰውኢ ምሕራርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ እሞ እቲ መስውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን። ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶንንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦምንኣሮን እቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ካህነይ ኪኸውን፡ ቅብኣዮን ቀድሶንንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖምነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ኪዀኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም። ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቘሞኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው ኣበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ። ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነቲ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዕረቒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተዎ፡ ነቲ ዚጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነቲ ታቦት ምስክር ጋረደሉ። ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደርብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ። ነቲ ዚስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ። ነቲ ቐዋሚ ቀንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ። ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ፡ ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዐጠነ። ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ። ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ እሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞዚሐርር መስዋእቲ መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ። ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩንምሕጻብ ዚኸውን ማይ ኣዕረቐሉሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተዉን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞይሕጸቡ ነበሩ። ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቘመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ መጋረጃ ጋረደሉሙሴ ከኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ። ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዐረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኪኣቱ ኣይከኣለንብዅሉ እቲ ምጕዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብዅሉ ምጕዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዚልዐልይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዚልዐለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።

Translation | Context