Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

breastfeeding


ኢሳይያስ 66:10-13 | 11 Helpful votes

ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡንክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኺፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሐጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሐዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሐጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኬውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ኬሳራስሩኹም እዮም። ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም።

Translation | Context
ሉቃስ 11:27 | 9 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ

Translation | Context
ድጒዓ 4:3 | 7 Helpful votes

ወኻሩ እኳ ኸይተረፈ፡ ኣጣባተን ሂበንንዀራኲረን የጥብዋ። እታ ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገን በረኻ ጨከነት

Translation | Context
ዮኤል 2:16 | 7 Helpful votes

ህዝቢ ኣክቡማሕበር ቀድሱኣረገውቲ ኣክቡቈልዑን ጡብ ዝጠብዉን ኣክቡመርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእመርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:2 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ኽትዐብዩከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሀግዎ

Translation | Context
ዘፍጥረት 49:25 | 6 Helpful votes

በቲ ዝረድኣካ ኣምላኽ ኣቦኻበቲ ዝባርኸካ ዂሉ ዚኽእልካብ ላዕሊ በረኸት ሰማይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓሚቚ ድማ በረኸት፡ ካብ ኣጥባትን ካብ ማሕጸንን ከኣ በረኸት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:15 | 6 Helpful votes

ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።

Translation | Context
መዝሙር 22:9 | 5 Helpful votes

ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፣ ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 2:7 | 4 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምሲከምታ ዉሉዳ እትሐቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:21-24 | 4 Helpful votes

እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ኪስውእ ደየበሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ፡ በለቶኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየኪ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞበላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ።

Translation | Context
ሩት 4:16 | 3 Helpful votes

ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶመጕዚቱውን ኮነት።

Translation | Context
ዘፍጥረት 21:8 | 3 Helpful votes

እቲ ቘልዓ ኸኣ ዐበየጡብውን ሓደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ምሳሕ ገበረ

Translation | Context
ሆሴዕ 9:14 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም

Translation | Context
እብራውያን 5:12-14 | 3 Helpful votes

ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 21:7 | 3 Helpful votes

ኣብ እርግናኡ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቘልዓ ተጥቡ ኸም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፡ ድማ በለት

Translation | Context
ምሳሌ 5:18-19 | 2 Helpful votes

ምንጭኻ ይባረኽበታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ

Translation | Context
እዮብ 3:12 | 2 Helpful votes

ስለምንታይከ ኣብራኽኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ

Translation | Context
ዘሁልቍ 11:12 | 2 Helpful votes

መጕዚት ንዚጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሐልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቚፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:23 | 2 Helpful votes

ነገስታት ከኣ መዕበይትኺንግስትታቶም ድማ መጒዚታትኪ ኪዀኑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ኪሰግዱልኪተጐጓ እግርኺውን ኪልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፡ እቶም ዚጽበዩኒ ድማ ከም ዘይሐፍሩንክትፈልጢ ኢኺ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:11 | 2 Helpful votes

ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቚፉ ኸኣ ኪስከሞም፡ ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 131:1-2 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን። ንነፍሰይ ኣህዳእክዋስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:26-31 | 2 Helpful votes

ሒዞምዎ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኺኣቱ ኸሎ፡ ሐዝዎደድሕሪ የሱስ ኪጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትንዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ኪኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ኪጅምሩ እዮም፡ በለን።

Translation | Context