Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዚውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም።
Translation | Contextኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም።
Translation | Contextእቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
Translation | Contextብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።
Translation | Contextብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኺብገስ ሐሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሔ።
Translation | Contextኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ።
Translation | Contextደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዔ፡ ክሳዕ ምድሪ ዚወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ።
Translation | Contextኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተአከበ። በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዚብልዎ ጠፍኦም። ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዚዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ዂላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም አሎና፡ ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ኽልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዚነብሩን፡ ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም አሎና። ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዚብልዎ ሰኣኑ። ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዚመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ዂሉ ኻብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኺሐልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኪንበዩ እዮም። ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዂሉ ኺድሕን እዩ። ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሀብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዜብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። ሞት ሒዙ ኼጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሐጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ኺሐድር እዩ። መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ኸም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ኪንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና አሎ። እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ኸርሱ ኣብ ዝፋኑ ኪቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ኸም ዝመሐለሉ ኽንዲ ዝፈለጠ፡ ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዐረገን። እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግኤ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዐዶምን። እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዚድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ።
Translation | Contextእቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም።
Translation | Contextነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ አሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሐደግኽንኦ፧ እንጌራ ኺበልዕ ጸውዓኦ፡ በለን።
Translation | Contextበታ ገንሸል ፋስጋ ዚሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፥ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎ። ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ አሎ መምህር፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፥ ሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ኪጕህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ። ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፥ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሀቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም፡ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። የሱስ ድማ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። ጴጥሮስ ድማ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበ። ኵሎምውን ከምኡ በሉ።
Translation | Contextእቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ኪበልዑ እዮም፡ ኬትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደኣ ሀቦም ይብልዕዎ፡ በለ።
Translation | Contextፋስጋ ዚብሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ።
Translation | Contextእቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
Translation | Context