Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextገበኑ ዚኽውሎ ኣይሰልጦን፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዚሐድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር አሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኺረክብ እዩ። እቲ ቓል ዚምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ።
Translation | Contextብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል ምዀንኩ። ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ። ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።
Translation | Contextሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሀየ ግና መንፈስ ይስበር። ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
Translation | Contextኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፥ ስለምንታይ እዚ ገበርኪ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ፡ በለቶ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።
Translation | Contextካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።
Translation | Contextልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
Translation | Contextእምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።
Translation | Contextኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሀብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሀበትኒ እሞ በላዕኩ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፥ ስለምንታይ እዚ ገበርኪ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ፡ በለቶ። ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ። ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ፡ ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዚፈልጥ ኰይኑ አሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡ ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዐይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤደን ኣውጽኦ። ከምኡ ንኣዳም ኣውጽኦ፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኪሩቤል ኣቐመጠ።
Translation | Context