Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ፡ በሎም።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕባይ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።
Translation | Contextፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ለመንዎ። ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ፡ ጻሕያ ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ። ምስ ውግሔ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ አሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። ሐዲግዋም ከኣ ኸደ። ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። የሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሐሰቡ። የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሐስቡ፧ እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዕልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧ ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዐልኩም፧ እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኪእርነቡ ኸም ዘይብሎም፡ ሽዑ ኣስተውዐሉ። የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ ኢሉ ሐተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም። ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ፡ ብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ኽህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ክቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ፡ ኪገልጸሎም ጀመረ። ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ኺገንሖ ጀመረ። የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሐቕ፡ ሰይጣን፥ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሐስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ ምዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ። ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃነፍሱ እንታይ ኪህብ እዩ፧ ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺህቦ እዩ። ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ኺመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዚርእይዎ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል አትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ።
Translation | Contextካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም። ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ። ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሐለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም። ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም። ካብቶም ዝአመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ። ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሄ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን አሎና። ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኺነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ። ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡ ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ አሎ። ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዔ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዚገብሮ ጐይታ ይብል አሎ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ። ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዚሰብክዎ አለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ኪኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና አሎ። ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለአኹ። ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም አሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም አሎና። ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ። ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዐድዎምን ኣበርትዕዎምን። ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። ሲላስ ግና ኣብኡ ኺተርፍ ደለየ። ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ምከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሐረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። ነተን ማሕበር እናጽንዔውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።
Translation | Contextእምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።
Translation | Contextኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Context