Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all3 bible verses about
ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ።
Translation | Contextንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፣ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ።
Translation | Contextያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል፡ እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሾብዓተ ዓመት እግዝኣካ፡ በለ። ላባን ከኣ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሐይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥ፡ በሎ። ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝኤ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒዶት መዓልቲ ዀይነን ተራእያኦ። ያእቆብ ከኣ ንላባን፡ መዓልትታተይ በጺሔን እየን እሞ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሀበኒ፡ በሎ። ሽዑ ላባን፡ ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገበረ። ምሸት ምስ ኰነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋ፡ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ። ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሀባ። ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እንሃ፡ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧ በሎ። ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ፡ ከምኡ ኣይግበርን እዩ። ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ፡ በለ። ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልኤ። ደሓር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ። ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ቢልሃ ግዝእቱ ሀባ። ናብ ራሄል ድማ አተወ፡ ንራሄል ከኣ ሐለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝኤ።
Translation | Context