Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

being scared


ኢሳይያስ 41:13 | 13 Helpful votes

ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 10 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመንኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 7 Helpful votes

ጽናዕትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 6 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹምኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹምግናኸ ኣጆኹምኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒበርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:8 | 5 Helpful votes

እቲ ቐቅድሜኻ ዚኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:25-29 | 4 Helpful votes

ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽንን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዋን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። ንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹንካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም አለኹ።

Translation | Context
መዝሙር 119:105 | 3 Helpful votes

ቃልካ ንእግረይ መብራህቲንመገደይ ብርሃን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:1-31 | 2 Helpful votes

ልብኹም ኣይሸበርብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹምኩምኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይናበይ ከም እትከይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦበሎየሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን። ንኣይ እንተ ትፈልጡንስንቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን አሎኹም፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለናበሎየሱስ በሎፊልጶስእዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየናትብል አሎኻ፧ ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዚገብር ዘሎ እምበርእዚ ንኣካትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒእንተ ዘይኰነስስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብርካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብርብሓቂብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩምክገብረልኩም እየ። እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ፡ ነቲ መንፈስ ሓቂዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦ ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግናምሳኻትኩም ይሐድር ኣባኻትኩምውን ኪነብር እዩ እሞትፈልጥዎ ኢኹም። ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምንናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ቅሩብ ጊዜ ዓለም ደጊም ኣይክ ትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስካትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይንስኻትኩም ከኣ ኣባይኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማጐይታይእቲ ርእስኻንዓለም ዘይኰነንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩበሎየሱስ ከኣዜፍቅረኒ እንተሎቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናብቲ ዝለአኸኒ ኣቦ እዩ እምበርናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። ምሳኻትኩም ከሎኹእዚ ነገርኩኹምእቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒመንፈስ ቅዱስንሱ ዅሉ ኺምህረኩምዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ። ሰላም እሐድገልኩምሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነንልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድንኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም አሎኹምካባይ ኣቦይ ይዐቢ እዩ እሞእተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሐጐስኩም ኔርኩም። ሕጂ ድማምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስከይኰነ ነጊረኩም አሎኹ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ አሎ እሞኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉንደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮንከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርንዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን አሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ

Translation | Context
መዝሙር 25:1-22 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ። ዎ ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም። ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም። ዎ እግዚኣብሄርጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ። ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንንኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ። ዎ እግዚኣብሄርምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን። ዎ እግዚኣብሄርንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒእግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ። ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖምንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ። ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስመገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን። ዎ እግዚኣብሄርበደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ። ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ። ነፍሱ ብደሓን ክትነብርዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ። ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ። ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን። ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በልደንግጸለይውንጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮምግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ አለዉ። ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ። ብኣኻ ተስፋ ገይረ አሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ። ዎ ኣምላኽንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ

Translation | Context
ሮሜ 8:39 | 2 Helpful votes

ሞት ኰነ ወይ ህይወትመላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታትልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና

Translation | Context