Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
Translation | Contextኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ኬብለኩም እዩ።
Translation | Contextንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።
Translation | Contextንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዚእመኑ ንኻልኦትውን ዚንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ኪጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ፤ ኣምላኸይ፡ ንኣይ ንሓጥእ ምሐረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ኬብል እኳ ኣይደፈረን። ርእሱ ልዕል ዜብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዜትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ካባካትኩም ይርሐቕ። ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።
Translation | Contextኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ሕያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተአዘዝዎም።
Translation | Contextንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።
Translation | Contextፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡
Translation | Contextቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextእቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።
Translation | Contextለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። ካብዞም ብኣይ ዚአምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተአሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፊ ኸይ መጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓምቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ አሎ እሞ፡ እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብኤን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍኤት ኪደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዚሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዚኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ። ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሐድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ በሎ። የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ። ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ። ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡ ውን ሐደገሉ። እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ። ሽዑ እቲ ብጻዩ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። ንሱ ግና አበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ። እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ። ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ። ነፍሲ ወከፍኩም ነን ሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ።
Translation | Contextድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእስራይስጢ ቤት-ሄስዳ ዚብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዚጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝአተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሐዊ ነበረ። ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሐመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ። የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ ክትሐዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ። እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዜውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሐወየ፡ ዓራቱ ኣልዒልውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሐወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን በልዎ። ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። እቲ ዝሐወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሐዊኻ፡ ካብዚ ዚገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎ፡ ኪቐትልዎን ይደልዩ ነበሩ። የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር አሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ኪቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። የሱስ መሊሱ በሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን። ነቲ ንሱ ዚገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። ኣቦ ንወዲ የፍቕሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስካትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዚዓቢ ግብሪውን ኬርእዮ እዩ። ኣቦ ንምዉታት ከም ዜተንስኦም ህያዋንውን ከም ዚገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለአኸኒ ዚአምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዚሰሞዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዚሰምዕዎ ድማ ህያዋን ኪዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎ፡ ህይወት ሃቦ። ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ኪፈርድ ስልጣን ሃቦ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጺ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከማቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሕቂ ኣይከውንን እዩ። ንኣይ ዚምስክረለይሲ ኻልእ አሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዚምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ አሎኹ። ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል አሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። ንሱ ዚነድድን ዜብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ጊዜ ባህ ኪብለኩም ደሌኹም። ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለአኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዚዓቢ ምስክር አሎኒ። እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሐደረኩምን። ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን አሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዚምስክራ። ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። ኣነ ውዳሴ ሰብ ኣይቅበልን እየ። ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዜብልኩም ግና እፈልጠኩም አሎኹ። ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩም ንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፡ ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዚኸስኩምሲ አሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ አሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፡
Translation | Contextእዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።
Translation | Contextኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Context