Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።
Translation | Contextግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
Translation | Contextኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
Translation | Contextእንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።
Translation | Contextኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዜብሉ ጐበዝ ርኤኹ።
Translation | Contextንመላገጺ እንተ ቐጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እንተ መሀርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል።
Translation | Contextእወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ።
Translation | Contextነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ።
Translation | Contextንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንበዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል።
Translation | Contextኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።
Translation | Contextኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም።
Translation | Contextዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘይለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
Translation | Context