Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ፡ ኣብኡ እነብር አሎኹ፡ ዚብል፡ ከምቲ ንሱ እተመልላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኺመላለስ ይግብኦ እዩ።
Translation | Contextከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
Translation | Contextነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።
Translation | Contextደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ።
Translation | Contextንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ። ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም።
Translation | Contextእተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።
Translation | Contextነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።
Translation | Contextብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም።
Translation | Contextነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።
Translation | Contextንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡ ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም። ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ። እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝአመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ኪቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ አሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዚጠቅምን እዩ።
Translation | Contextብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ኪገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኺምላእ እዩ። ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ። እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።
Translation | Contextስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧
Translation | Context