Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።
Translation | Contextኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።
Translation | Contextኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሐጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን።
Translation | Contextንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም። ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።
Translation | Contextኣነ ነቲ ረሲእ፣ ኣታ ረሲእ፣ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፣ እንተ በልክዎ፣ ኢልካ ኺጥንቀቕ፣ እንተ ዘይተዛረብካዮ፣ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኺምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፣ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፣ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኺመውት እዩ፣ ንስካ ግና ንነፍስኻ ኣድሀንካያ።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዙይ ስርዓት ዚመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም አሎና።
Translation | Contextኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡ እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዚመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዜድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድን፡ ይፍለጥ።
Translation | Contextኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።
Translation | Contextሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ኪጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰሞኣ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ።
Translation | Contextእቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዚጅምረሉ ጊዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ኻብ ዚጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዚድሕን ካብ ዚኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ኪርኤ እዩ፧
Translation | Contextስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧ ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧ ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቚጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዚወርድ ቊጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ አሎኻ። ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዐጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዚደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህቦም እዩ። ነቶም ንዓመጻ ዚእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቊጥዓን መዓትን ኪወርዶም እዩ። እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ኪወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ሰናይ ንዚገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ኪውሀቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም አሎ። ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም አሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኺድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ኪውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ አሎኹ። ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን። ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዚብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም አሎኹ። ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።
Translation | Contextሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።
Translation | Context