Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ካብ ብትምኒት ምቕብዝባዝሲ በዒንቲ ምጥማት ይሐይሽ፡ እዚውን ከንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጉያይን እዩ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።
Translation | Contextከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል አሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ አሎና።
Translation | Contextጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፣ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዐዘበና።
Translation | Contextሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም።
Translation | Contextእዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፥ ስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ።
Translation | Contextኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑ፡ ስምዑ፡ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ።
Translation | Contextወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ አሎኹም።
Translation | Contextኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዐየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ አሎኹ።
Translation | Contextንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ገለ ስብሒ፡ ናይ ብዕራይ ኰነ ወይ ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል፡ ኣይትብልዑ።
Translation | Contextብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧
Translation | Contextይሹሩን ግና ሀጠረ እሞ ተናድሔ፣ ሰባሕካ፣ ረጐድካ፣ ከረሽካ። ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሐደጎ፣ ንኸውሒ ምድሓኑ ነዐቖ።
Translation | Contextደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።
Translation | Contextሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።
Translation | Contextንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ። ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ። እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጤልን፡ እራብን ሰስሓን ዓገዜንን ድንኵላን ዝዖታን ሜዳቚን ቶራን። ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ኵሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ። መጕስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸዀናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርዅሳት ይኹናኹም፡ ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ዅሉ ብልዑ። ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ካባታተን ከኣ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡ ኵሉ ኳዅ ድማ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጕጕትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡ ንእሽቶ ጕንጓን ዓባይ ጕንጓን ቀራን ጕንጓ ድማ፡ ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡ ክንፊ ዘልዎ ዅሉ ለመምታ ኸኣ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ። ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካ፡ ንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ። ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።
Translation | Contextይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ኪኸውን እዩ።
Translation | Contextኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም።
Translation | Contextእቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ፡ ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ።
Translation | Context