Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all16 bible verses about
ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።
Translation | Contextከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡
Translation | Contextእቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።
Translation | Contextግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።
Translation | Contextፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።
Translation | Contextሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።
Translation | Contextንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን። ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
Translation | Contextእቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።
Translation | Contextሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።
Translation | Contextእንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር አሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።
Translation | Contextእቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ኣምላኽሲ፥ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ።
Translation | Contextእዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ። ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፡ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
Translation | Context