Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

being deceived


1ይ ዮሃንስ 4:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 7 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲተጠንቀቑ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9 | 5 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:13 | 4 Helpful votes

እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሐቱን እናሰሐቱን ናብ ዝገደደ ኺበጽሑ እዮም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 4 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱኣመንዝራታትወይ መምለኽቲ ጣኦትዘመውቲወይ ሕንቁቓትወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲወይ ስሱዓትወይ ሰካራትወይ ተጻረፍቲወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 16:17-18 | 3 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎምእምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎንብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21-23 | 3 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይጐይታይዚብለኒ ዅሉመንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓትጐይታይጐይታይብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናንኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናንብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናንኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ቲቶስ 3:3-7 | 2 Helpful votes

ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱዘይእዙዛትግጉያትንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእናብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና። እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡ ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነንብጸጋኡ ጸዲቕናብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:10-11 | 2 Helpful votes

እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን። ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚአምኑብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም

Translation | Context
ገላትያ 6:7-9 | 2 Helpful votes

ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስብጊዜኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ

Translation | Context
ኢሳይያስ 59:1-2 | 2 Helpful votes

እንሆኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። ግናኸ ኣእዳውኩም ብደምኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰንከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር አሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 12:9 | 2 Helpful votes

እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየመላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ

Translation | Context
ሮሜ 1:26-27 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦምደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:1 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣኣምላኽሲ፥ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ

Translation | Context
ሉቃስ 21:6-9 | 2 Helpful votes

እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ በለ። ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህርእዚ መኣዝ እዩ ዚኸውን፡ ኣጋ እዚ ዚዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩምኣይትሰምብዱእዚ ቕድም ኪኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።

Translation | Context