Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all7 bible verses about
ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።
Translation | Contextንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።
Translation | Contextሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።
Translation | Contextነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።
Translation | Contextንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ።
Translation | Contextድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ። ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ አላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኩን። ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም።
Translation | Contextእታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።
Translation | Context