Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
Translation | Contextባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextእምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።
Translation | Contextወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
Translation | Contextከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።
Translation | Contextፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
Translation | Contextንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
Translation | Contextእቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ።
Translation | Contextእቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ።
Translation | Contextእቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ኪኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ።
Translation | Contextኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን።
Translation | Contextለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዜርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።
Translation | Contextምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ኪኸውን ዚደሊ ድሕሪ ዅሉን ግዙእ ኵሉን ይኹን፡ በሎም።
Translation | Context