Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

bears


2ይ ነገስት 2:23-24 | 31 Helpful votes

ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበብመገዲ ኺድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕደይብ፡ ኣታ በራሕደይብኢሎም ኣላገጹሉንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረአዮምብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ

Translation | Context
ራእይ 13:2 | 24 Helpful votes

እቲ ዝርኤኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዚመስልኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ

Translation | Context
ምሳሌ 17:12 | 23 Helpful votes

ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓ ነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሐይሽ

Translation | Context
ዳንኤል 7:1-19 | 17 Helpful votes

ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ኸሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረአየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሕፎ፡ ርእሱ ነገሩውን ኣዘንተዎ። ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበለይቲ ብራእየይ ርኤኹእንሆ ኸኣ፣ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ። ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ። እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፣ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ኽሳዕ ዚምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስኤ፣ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፣ ልቢ ሰባውን ተዋህቦእንሆ ድማ፣ ካልኣይንድቢ ዚመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስኤሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፣ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፣ ከኣ በልዎድሕርዚ እንሆካልእ ኣራዊትኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዚመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፣ ግዝኣት ድማ ተዋህቦድሕርዚ ብራእያት ለይቲእንሆመፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኤኹዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፣ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ኸኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፣ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ። ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ ኤስተብህለሎም ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፣ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱእንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዚመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ነበሮ። ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊመንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ። ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፣ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፣ እልፊ ጊዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነመጻሕፍቲውን ተገንጸለ። ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፣ ስጋኡ ጠፍኤ፣ ምእንቲ ኺነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ። ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፣ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ጊዜን ተወሰኸሎምብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኪገልግልዎስግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ። ኣነ ዳንኤልመንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፣ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ። ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፣ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ኸኣ ርግጺ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፣ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒእዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዚትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም። እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ኪቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፡ ኤረ ንዘለኣለመ ኣለም ኪወርስዋ እዮም። ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲኣስናኑ ሓጺንኣጽፋሩ ኸኣ ኣስራዚ ዝዀነ፣ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዜሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰረት ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፣ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፣ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፣ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዚዛረብ ኣፍን ዝነበራ፣ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸትርግጹ ኺፈልጥ ደሌኹ።

Translation | Context