Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ።
Translation | Contextእቶም ብሩኻቱ ንሃገር ኪወርስዋ፣ እቶም ንሱ ዚረግሞም ግና ኪጸንቱ እዮም እሞ፣ ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፣ ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።
Translation | Contextካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዚነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዐኖ። ክዳን ብጻይካ ታሕዚ እንተ ሐዝካ ጸሓይ ከይዐረበት ምለሰሉ። እቲ ስጋኡ ዚኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ኪድቅስ፧ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትህቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሀቦ።
Translation | Contextተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።
Translation | Contextኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሔ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተአውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ። ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኪባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ። ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ ደኣ ስምዓዮ እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኺባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን። ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ። ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ አሎኹ። እብራዊ ሓውካ፡ ወይ እብራዊት፡ ኣባኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካሕደጎ። ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሐድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራዩ ኣይትስደዶ። ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቚ ወይንኻን ለጊስካ ሀቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሀቦ። ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸም ዘድሐነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ አሎኹ። ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዐሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን፡ እንተ በለካ፡ ኪኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ። ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓሳብ ዕጽፊ ገይሩ ሹድሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ዅሉ ኺባርኸካ እዩ። ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኵሉ በዅሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበዅሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በዅሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቚረጽ። ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሐረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄንካ ብልዓዮ። ገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ። ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ። ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።
Translation | Contextንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ።
Translation | Contextኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዜድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። ፈቲኻ ሀቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ኪባርኸካ እዩ።
Translation | Contextሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሐጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር።
Translation | Contextሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዚሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
Translation | Contextኪፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና አሎኹም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ኺፍደዩ የለቅሑ እዮም። ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸቤኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ኪኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም።
Translation | Contextግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከአ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም።
Translation | Contextዜኻዕብትን ዜሕርጥንሲ፣ ንሱዶ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ያእ፣ ንሱ ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ዅሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፣ ሞት ኪመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሲ ከኸውን እዩ።
Translation | Context