Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all15 bible verses about
ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።
Translation | Contextኪሐልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረአየ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ። ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ኪልምን ከሎ ዚርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዚልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዚመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ። ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ለኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሐጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ አሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም። ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ፡ ከም ብሓድሽ ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ርኤኹ፡ በሎም። ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየክብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ኪገብር ይክእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ምፍልላይ ኰነ። ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ። እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዚጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረአየ ኣይኣመንዎን እሞ፥ እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ አሎ፧ ኢሎም ሐተትዎም። እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረአየ ኣይንፈልጥን መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተአዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ኪስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ። ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ አሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ አሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥ ኩም ዜገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። ንኣምላኽ ዚፈርህ ፍቓዱውን ዚገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም ንፈልጥ ኢና። ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዔን። እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኺገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና አሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ። የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዔ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኺርእዩ፡ እቶም ዚርእዩ ኸኣ ኪዖሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ አሎና፡ ትብሉ አሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።
Translation | Contextኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።
Translation | Contextኣነ ግና እብለኩም አሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዚረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንብ እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዚጸርፉኹምን ዚሰጉኹምን ጸልዩ።
Translation | Contextሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
Translation | Contextጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።
Translation | Contextንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፣ ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧ ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሀር፣ ንገፋዒ ይምርቖ፣ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ አሎ እሞ፣ ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ አሎ፣ በቲ ዝሐሰብዎ ውዲት ይተሐንኰሉ። ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፣ ኣምላኽ የልቦን እዩ፣ ብትዕቢቱ ኸኣ፣ ኣይምርምርን እዩ፣ ይብል አሎ። መገድታቱ ዅሉ ጊዜ ይፍድፍዳ፣ ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ። ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም። ብልቡ፣ ከቶ ኣይክናወጽን፣ ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፣ ይብል አሎ። ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ። ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ። ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ። ጕብጥ ኢሉ ይደንን፣ መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ። ንሱ ብልቡ፣ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፣ ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ፣ ይብል። ዎ እግዚኣብሄር፣ ተንስእ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ኢድካ ኣልዕል፣ ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም። ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዚንዕቆ፣ ብልቡ ኸኣ፣ ኣይክትምርምርን ኢኻ፣ ዚብሎ፧ ንስኻ ርኢኻዮ፣ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፣ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፣ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፣ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ። ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፣ ንእኩይ፣ ረሲእንቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፣ ኣጥፍኣዮ። እግዚኣብሄር ንዘለአለመ ኣለም ንጉስ እዩ። ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም። ዎ እግዚኣብሄር፣ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፣ ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፣ ነእዛንካ ተድንነን፣ ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፣ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።
Translation | Contextመገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፣ ኣብኡ ተወከል፣ ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧ ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧ ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፣ ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧ ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ጠምት እሞ ምለሰለይ። ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፣ ጸላእየይ፣ ስዒረዮ፣ ከይብል፣ እንተ ተናወጽኩ፣ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፣ ነዒንተይ ኣብርሃየን። ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል አሎኹ፣ ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ አሎ። እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፣ ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።
Translation | Contextእቲ ዚበልዕን ዚሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዚበልዕን ዚሰትን። በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።
Translation | Contextየሱስ መሊሱ በሎም፥ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም አሎ፧ ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Context