Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all17 bible verses about
እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ፡ ነባጊዔይ ዝዘሮኽምወንን ዘባረርኩምወንን ግደን ዘይገበርኩምን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ፡ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ኸኣ ነተን ካብ ኣባጊዔይ ዝተረፋ ኻብቲ ዝሰጐጒክወን ኲሉ ሃገር ክእክበን፡ ናብ መጓስኤን ድማ ክመልሰን እየ፡ ኪፈርያን ኪበዝሓንውን እየን። ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።
Translation | Contextእዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን።
Translation | Contextዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ።
Translation | Contextባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ።
Translation | Contextከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፣ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዚጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዚጓስዩ፡ ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፣ ጸምሪ ትኽደኑ፣ ነቲ ዝሰብሔ ትሐርዱ፣ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። ንዝሐመቓ ኣየበርታዕኩምን፣ ንዝሐመመት ኣይፈወስኩምን፣ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፣ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፣ ንዝጠፍኤት ኣይደሌኹምን፣ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፣ ፋሕውን በላ። ኣባጊዔይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፣ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሕ በላ፣ ግደን ዚገብርን ዚደልየንን ከኣ የልቦን። ስለዚ፣ ኣቱም ጓሶት፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣባጊዔይ ተዘሪፈን፣ ኣባጊዔይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፣ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፣ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዔይ ኣይገበሩን፣ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፣ ነባጊዔይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፣
Translation | Contextንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
Translation | Contextጻድቃን እንተ ዐመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር።
Translation | Contextንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።
Translation | Contextነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።
Translation | Contextስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።
Translation | Contextእቲ ብሓሶት ጽን ዚብል መኰንን፡ ኵሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።
Translation | Contextኰነ ድማ፣ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ አሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፣ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም።
Translation | Context ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኺርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም ይግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ።
ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።
Translation | Contextንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን።
Translation | Context