Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
እቲ ገፊሕ ቀጽርታት ባቢሎን ጥራስ ኪፈርስ፡ እቲ ነዊሕ ልዳውታ ኸኣ ብሓዊ ኺነድድ እዩ። ህዝብታት ንኸንቱ ኺዐዩ፡ ኣህዛብ ከኣ ንሓዊ ኺደኽሙ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርኤኹ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልኤ ዜፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዚብል ስም ጽሑፍ እዩ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርኤኽዋ። ምስ ርኤኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። እቲ ዝርኤኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ኪኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም። ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ አሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ኪነብር ይግብኦ እዩ። እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዚቕበሉ እዮም። እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ አለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ኪህብዎ እዮም። እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ኪስዐሩ እዮም። እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርኤኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። እቶም ዝርኤኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬማስንዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊውን ኬንድድዋ እዮም። ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩን ሓደ ሓሳብ ኪዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ኪህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ አሎ። እታ ዝርኤኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።
Translation | Contextእቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነብዪ ኤርምያስ ገይሩ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉን፡ ከይሐባእኩም ከኣ፡ ባቢሎን ተታሕዘት፡ ቤል ነወረ፡ መሮዳክ ተሰባበረ፡ ምስልታቱ ነወረ፡ ጣኦታቱ ኸኣ ተሰባበረ፡ ኢልኩም ኣውጁ። ህዝቢ ኻብ ሰሜን ተንሲእዋ አሎ እሞ፡ ንሃገራ በረኻ ኺገብራ እዩ፡ ኣብኣ ዚነብር ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪህሉን እዩ፡ ሰብን ከብትን ሀዲሞም ሃው በሉ። በተን መዓልትታት እቲኤንን በቲ ጊዜ እትን ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶምን ደቂ ይሁዳን ሐቢሮም ኪመጹ እዮም፡ እናበኸዩ ኪኸዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ኪደልዩ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። መገዲ ጽዮን ኪሐቱ፡ ገጾም ናብኣ ኣቕኒዖም ከኣ፡ ንዑናይ፡ ብዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ምስ እግዚኣብሄር ሕበሩ፡ ኪብሉ እዮም። ህዝበይ ጥፉእ መጓሰ ኣባጊዕ ነበረ፡ ጓሶተን ኣጋገይወን፡ ናብ ኣኽራን ኣዀብለልወን፡ ንሳተን ካብ ኣኽራን ናብ ኲድዂዶታት ነፈጻ፡ ስፍራ ማሕደሪኤን ከኣ ረስዓ። ዝረኸብወን ዘበሉ ዂሎም በልዕወን። ጸላእቶም ድማ፡ ንሳቶም ንእግዚኣብሄር ማሕደር ጽድቂ፡ ንእግዚኣብሄር ተስፋ ኣቦታቶም ዐጊቦም እዮም እሞ ንሕናስ ኣይበደልናን፡ በሉ። ካብ ማእከል ባቢሎን ሀደሙ፡ ካብ ሃገር ከለዳውያን ወጹ፡ ኣብ ቅድሚ መጓሰ ድማ ከም ድቤላታት ኩኑ። እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሃገር ሰሜን ንባቢሎን ናይ ዓበይቲ ህዝብታት ኣኼባ ኸተንስኣላን ከውጽኣላን እየ እሞ፡ ንሳቶም ንውግእ ኪስለፉላ እዮም፡ ካብዚ ወገን እዚ ኸኣ ክትተሐዝ እያ። ፍላጻታቶም ከምቲ ናይ ንፉዕ ተዋጋኢ እዩ፡ ሓንቲ እዃ ብኸንቱ ኣይትምለስን እያ። ምድሪ ከለዳውያን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፡ ኲላቶም ዘመትታ ድማ ከጸግቡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቱም ዘመትቲ ርስተይ፡ እንተ ተሐጐስኩምን እንተ ተረሳህኩምን እዃ፡ ኣብ ዓውዲ ኸም ዜኺዳ ኣሩሕ እኳ እንተ ተሰራሰርኩም፡ ከም ብርቱዓት ኣፍራስውን ኣንተ ሐምሐምኩምሲ፡ ኣዴኹም ክትንውር፡ እታ ወላዲትኩም ክትሐፍር እያ። እንሆ፡ ንሳ ዳሕረይቲ እቶም ህዝብታት፡ በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። ብምኽንያት ቊጥዓ እግዚኣብሄር ብዘላ ኽትባድም እያ እምበር፡ ድሕርዚ ኣብኣ ዚነብር የልቦን። ነፍሲ ወከፍ ብባቢሎን ዚሐልፍ ከኣ በቲ ዂሉ ስቓይ ኺስክሓላን ኪፋጽየላን እዩ። ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዂሉኹም፡ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ንእግዚኣብሄር ዐጊባቶ እያ እሞ፡ ወርውሩላ፡ ፍላጻታት ኣይትብቀቑ። ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ዙርያኣ ኸምዚ ኢልኩም ጨድሩላ፡ ኢዳ ሀበት፡ መንደቕ ዕርዳ ወደቐ፡ ቀጽሪ ፈረስ፡ እዚ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ሕኔኣ ፍደይዋ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ግበርዋ። ንዘራእን ነቲ ብጊዜ ቐውዒ ማዕጺድ ዚሕዝን ካብ ባቢሎን ኣጽንትዎም። ካብቲ ጨኳኒ ሰይፊ ኼምልጡስ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ህዝቡ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከድ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይህደም። እስራኤል ኣናብስ ተሃዳዲኖምዋ፡ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር በልዓ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዓጻጽምታ ሰባበረ። ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐጻዕክዎ፡ ከምኡ ኸኣ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐጽዕ እየ። ንእስራኤል ናብቲ መጓሰዪኡ ኽመልሶ እየ፡ ኣብ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን ኪጓሰ እዩ፡ ነፍሱውን ኣብ ኰረቢት ኤፍሬምን ጊልኣድን ክትጸግብ እያ። ነቶም ዘትረፍክዎምሲ ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፡ በተን መዓልትታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እትን ኣበሳ እስራኤል ይድለ ኣይህሉን ከኣ፡ ሓጢኣት ይሁዳውን ኪሰኣን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ናብ ሃገር ሜራታይምን ናብቶም ኣብ ጴኮድ ዚነብሩን ውጻእ እሞ፡ ቅተሎም፡ ነቲ ድሕሪኦም ዘሎ ኸኣ ብጥራስ ኣጥፍኣዮ፡ ብዂሉ ድማ ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር፡ ይብል እግዚኣብሄር። ደሃይ ውግእን ዓብዪ ምፍርስን ኣብታ ሃገር ይስማዕ አሎ። እዛ ሞደወ ዂሉ ምድሪ ኸመይ ኢላኸ ተሰብረትን ተደቚሰትን፡ ከመይ ኢላስ ባቢሎን ኣብ ማእከል ህዝብታት መሰክሒ ዀነት። ኣቲ ባቢሎን፡ መፈንጠራ ኣጻወድኩልኪ፡ ከይፈለጥኪ ኸኣ ተተሐዝኪ። ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ እተዋጋእኪ እሞ፡ ተረኸብክን ተተሐዝክን። እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ከለዳውያን ዜቕንዖ ተግባር አለዎ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤት መሳርያኡ ኸፈቶ፡ ኣጽዋር ኲራኡውን ኣውጽኤ። ካብ ወሰናት ምድሪ መጺእኩም ውረርዋ፡ ሪቓ ኽፈቱ፡ ከም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዋ ብጥራስ ከኣ ኣጥፍእዋ፡ ሓንቲ እኳ ኣይተትፍሩ። ንዂሎም ኣረውሓ ቕተልዎም፡ ናብ ማህረዲ ኣውርድዎም። መዓልቶም፡ እታ ጊዜ መቕጻዕቶም፡ በጺሓ እያ እሞ፡ ወይለኦም። ሕነ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ሕነ መቕደሱ ኣብ ጽዮን ኬውርዮስ፡ ድምጺ እቶም ካብ ሃገር ባቢሎን ዝሀደሙን ዘምለጡን ይስማዕ አሎ። ንወርወርቲ ቐስቲ፡ ንዂላቶም ቀስቲ ዚግትሩ፡ ንባቢሎን ኪወግእዋ ኣኽትትዎም፡ ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ። ከም ግብራ ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ተዐብያትሉ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበረቶ ዂሉ ግበርዋ። ስለዚ እቶም ኣባጽሓ ኣብ ኣደባባያት ኺወድቁ እዮም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኲሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኺጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣቲ ትዕቢተኛ፡ እታ ንኣኺ ዝቐጽዓላ ጊዜ፡ እታ መዓልትኺ መጺኣ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ናባኺ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እቲ ትዕቢጠኛ ኺዕንቀፍን ኪወድቕን እዩ፡ ዜተንስኦ ድማ የብሉን፡ ኣብ ከተማታቱ ኸኣ ሓዊ ኽትኵስ እየ፡ ንሱውን ንዂሉ ኸባቢኡ ሞዂ ኬብሎ እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ብሓባር ጥቑዓት እዮም፡ እቶም ዝማረኽዎም ኲላቶም ከኣ ሐዝዎም፡ ከይሐድግዎም ድማ ኣበዩ። ተበጃዊኦም ብርቱዕ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። ንምድሪ ህድኣት ኪህብ፡ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩ ዘለዉ ኸኣ ኪህውኽሲ፡ ነገሮም ኬቕንዓሎም እዩ። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዚነብሩን ኣብ ልዕሊ መሳፍንታን ኣብ ልዕሊ ጥበበኛታታን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ተጀሃርቲ እዩ እሞ፡ ዓያሱ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ጀጋኑኣ እዩ እሞ፡ ኪፈርሁ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ኣፍራሳን ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ሕውስዋስ ህዝብን እዩ እሞ፡ ከም ኣንስቲ ኪዀኑ እዮም። ሰይፊ ኣብ ልዕሊ መዛግቦም እዩ እሞ ኪብዝበዙ እዮም። ሃገር ቅሩጽ ምስልታት እያ፡ ብጣኦታት ከኣ ሃተምተም ይብሉ አለዉ እሞ፡ ደርቂ ኣብ ልዕሊ ማያቶም እዩ፡ ኪነጽፍ ድማ እዩ። ስለዚ ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኺነብሩላ፡ ሰገናትውን ኣብኣ ኺሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዚነብር የልቦን፡ ንውሉድ ወለዶውን ኣይክትስራሕን እያ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ነተን ጐረባብተንን ዝገላበጠን፡ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይኪነብርን፡ ኣብኣውን ውሉድ ሰብ ሓደ እኳ ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ይነቕሉ። ቀስትን ኲናትን ይሕዙ፡ ጨካናት፡ ምሕረት ዜብሎም እዮም። ድምጾም ከም ህማም ባሕሪ እዩ፡ ኣፍራስ ይሰሩ። ኣቲ ጓል ባቢሎን፡ ንውግእ ከም እተዳለወ ሰብኣይ ተሰሊፎም ይመጹኺ አለዉ። ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኦም ወረ ይሰምዕ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ይልሕልሓ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲውን ጸበባን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ። እንሆ፡ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ናብቲ ጽኑዕ መሳፍሮ ኸም ኣንበሳ ይድይብ አሎ፡ ብኡብኡ ኸኣ ካብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ እተሐርየ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ዚመዓራረየኒ መን እዩ፧ ቈጸራ ዚገብረለይከ መን እዩ፧ እቲ ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ጓሳስ መን እዩ፧ ስለዚ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፡ ንሃገር ከለዳውያን ዝሐሰበላ ሓሳብን ስምዑ፡ ብርግጽ፡ ነቶም ናእሽቱ መጓሰ ኺጓትትዎም እዮም፡ ብርግጽ ሰፈሮም ኪስክሓሎም እዩ። በቲ ባቢሎን ተታሕዘት ዚብል ደሃይ ከኣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ አላ፡ ኣብ ማእከል ህዝብታትውን ጭራሕምራሕ ይስማዕ አሎ።
Translation | Contextእታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኺህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት።
Translation | Contextነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን።
Translation | Contextድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዜፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሀብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ። ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዚብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። ብልባ፡ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሐንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሀብዋ። ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሐንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ኪበኽዩላን ኬልቅሱላን እዮም። ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ አሎ፡ ኪብሉ እዮም። እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን። ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድን፡ ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሐርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። እቲ ነፍስኺ ዝበሀገቶ ፍረ ኻባኺ ሐሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይኪርከብን እዩ። እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሀብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዚኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዐዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረአይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዚመስላ፡ እናበሉ ጨርሑ። ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሐዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሀብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዖንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ። ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሐጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሐጐሱ። ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዚኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እንሆ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ኢድ ከለዳውያንን ኣብ ኢድ ነቡካድነጻርን ንጉስ ባቢሎንን ኣሕሊፈ ኽህባ እየ፡ ንሱውን ኪሕዛ እዩ።
Translation | Contextኣቲ ኽትዐንዊ ዘሎኪ ጓል ባቢሎን፣ ሕነ እቲ ዝገበርክና ዚፈድየኪ ምስጉን እዩ።
Translation | Contextኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር። ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኺኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ። ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮም፡ ንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዚብሉ፡ ንምፍጻም ቊጥዓይ ጸዊዔዮም አሎኹ። ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን አሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ይሀምም አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንሰራዊት ኪስለፉ ይእዝዞም አሎ። እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ። መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ አላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ። ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ኪብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ኪመክኽ እዩ። ኪስምብዱ፡ ቃንዛን ሓዘንን ኪሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ኬቕለልው፡ ተገሪሞም ነንሓድሕዶም ኪጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ። እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቚጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ። ከዋኽብቲ ሰማይን እቶም በብጋንታኦም ዘለዉ ኸዋኽብትን ብርሃኖም ኣይኬብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡ ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ኤር ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝከበረ ኽገብሮ እየ። ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቚጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እያ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሀድነት እራብን፡ ኣካቢ ኸም ዜብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሄህዝቡ ኺምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኺሀድም እይ። እተረኽበ ዘበለ ኺውጋእ፡ እተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ኪወድቕ እዩ። ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን። እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዜብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ። መንትጎም ነጒባዝ ኬውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይኪምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይኪድንግጻሎምን እየን። ባቢሎን፡ ጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ። ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይኪሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይኪተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም። ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኺሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ኪመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኺነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኺሰራሰሩ እዮም። ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታ፡ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኺንቅው እዮም። ጊዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይኪድንጒያን እየን።
Translation | Contextእታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ።
Translation | Contextመጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ።
Translation | Contextንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፣ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፣ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ኸኣ ምስትውዓል ይህቦም። ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ፡ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዚነብር። ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፣ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካኒ ኢኻ እሞ፣ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሀብካኒ፣ ሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፣ ኤመስግነካን እውድሰካን አሎኹ። ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኬጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፣ አትዩ ኸኣ፣ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፣ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፣ ኢለ ነገሮ። ሽዑ ኣርዮስ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፣ እኔኹ ኻብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዜፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ አሎኹ፣ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፣ ነቲ ዝርኤኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፣ ነዛ ንጉስ ዙሐተላ ዘሎኢ ምስጢርስ እቶም ጠቡባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ኪነግርዎ ኣይኽኣሉን እዮም፣ ኢለ መለሰ። ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣ ዎ ንጉስ፣ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዚኽውን፣ ኣብ ምድቃስካ ኸሎኻ፣ ሓሳባት ተንሳኣካ። እቲ ምስጢራት ዚገልጽ ከኣ ነቲ ዚኽውን ኣስለጠካ። ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ፡ እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክነግር እሞ፡ እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፣ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰንኩን። - ዎ ንጉስ፣ እንሆ፣ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ኸኣ ዜገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቘመ ትርኢቱውን ዜፍርህ ነበረ። እዚ ምስሊ እዚ፣ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፣ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፣ ካብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፣ መሓውሩ ሓጺን፣ ኣእጋሩ ኸኣ ገሊኡ ሃጺን፣ ገሊኡ መሬት ነበረ። ንስኻ ትጥምት ነበርካ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኢዱ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፣ ነቲ ጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖኦን ዳዕመኾን። ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስርራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕመዀ፣ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፣ ኣሰሩ ኽሳዕ ዚጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ኸረን ኰነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ። እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፣ ትርጓሜኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክነግሮ ኢና። ዎ ንጉስ፣ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ልስታንን ሓይልን ክብርን ዝሀበካ ንጉስ ነገስታት ንስካ ኢኻ። ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዚነብሩለ ዘበለ ኸኣ ኣብ ኢድካ ሀበካ፣ ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ድማ ኣግዝኣካ፣ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።
Translation | Contextነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ከም ዚመጽእ ንሃገር ግብጺ ኸኣ ከም ዚወቕዓ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ ዝነገሮ ቓል እዚ እዩ፡ ሰይፊ ኣብ ከባቢኻ ንዘሎ ዀሚምዎ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ተሰለፍውን፡ ኢልኩም ኣብ ግብጺ ንገሩ፡ ኣብ ሚግዶል ኣስምዑ፡ ኣብ ኖፍን ኣብ ታህጳኔስን ኣስምዑ። ስለምንያት ጀጋኑኻ ኣብ ምድሪ ጻሕ በሉ፧ እግዚኣብሄር ደፊእዎም እዩ እሞ፡ ኪቘሙ ኣይከኣሉን። ንሱ ንብዙሓት ሰንከልከል ኣበሎም፡ ኣብ ልዕሊ ሓድሕዶም ድማ ወደቑ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዚ ዚጭኲን ሰይፊ ናብ ህዝብናን ናብታ እተወለድናላ ሃገርናን ንመለስ፡ በሉ። ኣብኡ ኸኣ፡ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ጠፊኡ፡ እቲ ምዱብ ጊዜውን ኣሕሊፎዎ፡ ኢሎም ጨደሩ። እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ንጉስ ይብል አሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከም ታቦር ኣብ ኣኽራን፡ ከም ቀርሜሎስ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኺመጽእ እዩ። ኖፍ ምድረ በዳ ኽትከውን፡ ሓደ እኳ ዘይነብረላ ዀይና ኽትነድድ እያ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ግብጺ እትነብሪ ዘሎኺ ጓል፡ ንምምራኽ ኣቓሑኺ ኣዳልዊ። ግብጺ ምልምል ኣርሒ እያ፡ መጥፍኢኣ ይመጽእ። ካብ ሰሜን ይመጽእ አሎ። እቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዓስቢ ዓሳብ ድማ ከም ስቡሓት ኣርሒ እዮም። መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ጊዜ ቕጽዓቶም ወሪድዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶምውን ኲላቶም ግልብጥ ኢሎም ሀደሙ ኣይቈሙን ከኣ። ምስ ጭፍራ ይመጹ፡ ከም ፈለጽቲ ዕጨይቲ ድማ ብምሳውርቲ ይወርዋ አለዉ እሞ፡ ደሃያ ኸም ናይ ተመን ኰይኑ ይስማዕ አሎ። ንሳቶም ኪቚጸሩ ዘይከኣሉ፡ ካብ ኣንበጣ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘይሕለፍ ዱር ይቘርጹ አለዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ጓል ግብጺ ነወረት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ሰሜን ተወፈየት። እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ እንሆ፡ ንኣሞን ካብ ኖን ንፈርኦንን ንግብጽን ንኣማልኽታን ንነገስታታን፡ ከምኡውን ንፈርኦንን ነቶም ዚውከልዎን ክቐጽዖም እዩ፡ ይብል አሎ። ኣብ ኢድ እቶም ነፍሶም ዚደልዩ፡ ኣብ ኢድ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎንን ኣብ ኢድ ባሮቱን ከሕልፎም እየ። ድሕርዚ ግና ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረ ኺነብሩላ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፣ ሹድሽተ እመት ዝወውርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ።
Translation | Context