Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
Translation | Contextናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረአይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸት ሀብዎ።
Translation | Contextሽዑ ሄሮዶስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረአየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሐተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ።
Translation | Contextምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።
Translation | Contextስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ።
Translation | Contextንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። የሱስ ግና ጸዊዑ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም። ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ሕጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም።
Translation | Context