Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

babies going to heaven


ማቴዎስ 19:13-14 | 19 Helpful votes

ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎምቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎምየሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ

Translation | Context
ዘዳግም 1:39 | 17 Helpful votes

እቶም ኪማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ኪአትውዋ እዮም፡ ንኣታቶም ክህቦም እየ፡ ኪወርስዋ ኸኣ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:3 | 16 Helpful votes

በለ ኸኣእንተ ዘይተመለስኩምከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩምናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 12:22-23 | 10 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሐረኒእቲ ሕጻን ድማ እንተ ሐወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኼኹንሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱንምንታይ ኢለ እጸውምደጊምዶ ኸምልሶ ይከአለኒ እዩኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ፡ በለ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:13-14 | 10 Helpful votes

ንቘልዑ ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎምየሱስ እዚ ምስ ረአየኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎምቈልዑ ናባይ ይምጽኡመንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም

Translation | Context
ሉቃስ 18:15-16 | 9 Helpful votes

ንሕጻናት ድማ ኪትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎምእቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። የሱስ ግና ጸዊዑመንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38-39 | 5 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎምእግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም

Translation | Context
ማቴዎስ 18:10 | 5 Helpful votes

ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑመላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ አለዉ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:1-19 | 4 Helpful votes

ኤርምያስ ወዲ ህልቅያ፡ ካብ ዓሌት እቶም ኣብ ኣናቶት ኣብ ምድሪ ብንያም ዝነበሩ ኻህናት እተናገሮ ቓል። ናብኡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ግዝኣት ዮስያስወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳቃል እግዚኣብሄር መጸ። ከምኡውን ብዘመን ዮኣቂምወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ እታ መወዳእታ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት ግዝኣት ጼድቅያስወዲ ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ክሳዕ ነቲ የሩሳሌም እተማረኸትሉ ኣብ ሓምሳይ ወርሒ መጾ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ እሞ፡ ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ። ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩእግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮምይብል እግዚኣብሄርእግዚኣብሄር ከኣ ኢዱ ዘርግሔ እሞ ኣፈይ ተንከየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹርኤሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትን መንግስትታትን ክትምንቊስን ከተፍርስን ከተዖኑን ከተጥፍእን ክትነድቕን ክትተክልን ኣቚመካ እየ፡ በለኒ። ድሕሪ እዚውን፡ ኣታ ኤርምያስ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ። ኣነ ድማ፡ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ አሎኹ፡ በልኩእግዚኣብሄር ከኣ፡ ንቓለይ ክተግሃሉን ከም ዚፍጸም ክገብሮን እየ እሞ፡ ጽቡቕ ርኢኻበለኒቃል እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ጊዜ ናባይ መጺኡ፡ እንታይ ትርኢ አሎኻ፧ በለኒ። ኣነውን፡ ገጹ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዚፈልሕ ድስቲ እርኢ አሎኹ፡ በልኩ። ሽዑ እግዚኣብሄር በለኒሕሰም ካብ ሰሜን ናብቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዂሎም ኪፍኖ እዩ። እንሆ፡ ናይ ሰሜን መንግስትታት ዓሌት ኲሎም ክጽውዕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንሳቶም ከኣ መጺኦም ነፍሲ ወከፎም ኣብ ኣፍ ደጌታት የሩሳሌምን ኣብቲ ኸባቢኣ ዘሎ ዂሉ ቕጽርን ኣብ ዂለን ከተማታት ይሁዳን መመንበሮም ኬንብሩ እዮም። ብሰሪ ዂሉ ኽፍኣቶም ንኣይ ስለ ዝሐደጉን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዕጣን ስለ ዝዐጠኑን ንግብሪ ኢዶም ስለ ዝሰገዱንፍርደይ ክነግሮም እየ። እምበኣርሲ ንስኻ ሕቜኻ ተዐጠቕተንስእ እሞ እቲ ኣነ ዝእዝዘካ ዂሉ ንገሮም። ኣነ ኣብ ቅድሚኦም ፈራህ ከይገብረካስ፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣይትፍራህ። እንሆ፡ ኣነ ንዂሉ ምድርን ንነገስታት ይሁዳን ንሹማምታን ንኻህናታን ንህዝቢ ሃገራን ከም እተዐርደት ከተማን ከም ዓንዲ ሓጺንን ከም ቀጽሪ ኣስራዝን ገይረ ሎም ኣቚመካ እየ። ኪዋግኡኻ እዮም፡ ግናኸ ምእንቲ ኸናግፈካ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር

Translation | Context
እዮብ 3:11-19 | 3 Helpful votes

ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩካብኡ ወጺኤስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ፧ ስለምንታይከ ኣብራኽኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡ ከምዚ ሕጂ ሀዲኤ በጥ ምበልኩ፡ ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡ ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡ ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ ደቂሰ ምዐረፍኩ ነይረ። ወይስ ከም እተቐብረ ቚላዕ፡ ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ። ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቚጥዓ ሓዲጎም፡ እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዐሪፎም ኣለው። እቶም እሱራትውን ብሓባር ሀዲኦምድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው። ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ።

Translation | Context