Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all11 bible verses about
እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።
Translation | Contextኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።
Translation | Contextሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።
Translation | Contextሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና ባላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ። ንሳ ግና ነቲ ወዳ ሐብኣቶ፡ በለት።
Translation | Contextዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።
Translation | Contextሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።
Translation | Contextበቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ።
Translation | Contextበታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።
Translation | Contextእቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና
Translation | Context