Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

astral projection


2ይ ቈረንቶስ 12:1-4 | 35 Helpful votes

ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእየይ ናብ ምግላጽ ጐይታና እሐልፍ አሎኹ። ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈእፈልጥ አሎኹ፦ ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ። ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡ ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዔ፡ እፈልጥ እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:10-13 | 15 Helpful votes

ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚመናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን

Translation | Context
ህዝቅኤል 37:1-14 | 14 Helpful votes

ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፣ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፣ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነበረ። ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፣ እንሆ ኸኣ፣ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ኣዝዩ ብዙሕ ነበረ፣ እንሆውን፣ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ። ንሱ ኸኣ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ኪኸውን እዩ፧ በለኒ። ኣነ ድማ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥኢለ መለስኩ። ንሱ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፣ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፣ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑኢልካውን ንገሮም፣ በለኒእግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል አሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። ጅማውቲውን ኸንብረልኩምስጋ ኽገብረልኩምብቘርበት ክኸድነኩምትንፋስ ከእትወልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። ከምቲ እተአዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፣ እንሆ ኸኣ፣ ፍኒሕኒሕ ኰነ፣ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሚ ኣብ ዓጽሙ ተቓራረበእንሆ ኸኣ፣ ጅማውትን ስጋን ኪወጾምቈርበት ድማ ኪኸድኖም ርኤኹ፣ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። ሽዑ ንሱ፣ ኣታ ወዲ ሰብተነበ፣ ንንፋስ ተነበየሉንንፋስ ከኣ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ኣታ ትንፋስ፣ እዞም ህያዋን ህያዋን ኪዀኑስ፣ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብኦም ንፈስይብል አሎ፣ ኢልካ ንገሮ፣ በለኒ። ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝአዘዘኒ ተነቤኹትንፋስ ድማ ኣተዎምህያዋን ኰኑ፣ በእጋሮም ከኣ ቘሙኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ። ሽዑ ንሱ በለኒ፣ ኣታ ወዲ ሰብ፣ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፣ ንሳቶም፣ ዓጻጽምትና ነቐጸተስፋና ተቐብጻ፣ ንሕና ጠፊእና ኢና፣ ይብል አለዉ። ስለዝ ተነበእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል አሎ፣ ኢልካውን ንገሮም፣ እንሆ፣ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፣ ኣቱም ህዝበይ፣ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፣ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወክም እየ። ኣቱም ህዝበይመቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፣ ካብ መቕባራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፣ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፣ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
መክብብ 12:6 | 11 Helpful votes

ድሪ ብሩር ከየተበትከፍዮ ወርቂ ኸይተጨፍለቐዕትሮ ኣብ ዓይኒ ማይ ከይተሰብረመዘወር ኣብ ዔላ ኸይተጨፍለቐ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 10 Helpful votes

ብዝተረፈስኣሕዋተይብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውንማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ

Translation | Context
ሮሜ 8:9 | 6 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን

Translation | Context