Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሐዘን። ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖ፡ ብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ። ሽዑ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ። ረብሳቄ ኸኣ በሎም፡ ንህዝቅያስ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ፧ ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን አሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ አሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ፧ እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ወምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል አሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዚውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ፧ እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶር፡ ተዋራረድ፡ ንስኻ ዚቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይ፡ ገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል፧ ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ አሎኻ። ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ፧ እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ፡ ዝበለኒ። ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄ፡ ቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለዉ ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። ረብሳቄ ግና፡ ጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ውጽኣቶም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለዉ ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለአኸኒ፧ በለ። ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ስምዑ፡ እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል፡ ህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም። ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሀብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም። ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዚመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ አሎ፧ ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው፧ ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው፧ ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም፧ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዜኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ፧ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ፧ ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ድሕርዚ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተው፡ ቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ።
Translation | Contextናብ ሃገር ግብጺ ኣይመለስን፣ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ።
Translation | Contextበታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም። በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።
Translation | Contextኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋት-ጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም።
Translation | Contextእቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ሰፋርዋዪምን ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸኣ ወረስዋ፡ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ። ኰነ ድማ፡ እቲ መጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣናብስ ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ገለ ኻባታቶም ቀተሉ። እቲ ንጉስ ኣሶር፡ እቶም ኣጒዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገርስ ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣናብስ ሰደደሎም፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ምፍላጥ ስለ ዝሰአኑ ኸኣ፡ እነዉ፡ ይቐትልዎም አለዉ፡ ኢሎም ነበርዎ። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር፡ ካብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፡ ከይዶም ድማ ኣብኡ ይቀመጡ እሞ፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምህሮም፡ ኢሉ ኣዘዘ፡
Translation | Contextንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሐዘን። ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዐኖ። ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሀቦ። በታ ጊዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዝኣብሄርን ልዳዊትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሊ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሀቦ። እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳርስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጾቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ። ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ። ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ፡ እዚ ተአሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧ ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን አሎኒ፡ ትብል አሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዐሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ፧ እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዝአቱ፡ ብእኡ ተአሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዚእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተአሚንና አሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፧ ሕጂ ድማ ንጐይታይን ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዚውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን አሎኻ። ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ፧ እግዚኣብሄር ደኣ፡ ነዛ ሃገር ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዔ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለአኸኒ፧ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ከይኖም ሓርኦም ኪበልዑን ሽንቶም ኪሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን፧ በሎም። ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ህይዝቅያስ ካብ ኢደይ ኬድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዐሹኹም። ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኬድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሀብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም። ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል አሎ እሞ፡ ምሳይ ተዐረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኒ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ ማይ ዔላኡ ይስተ። ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺኤ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ኬድሕነና እዩ፡ እናበለ ኺጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ። ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሐነዶ አሎ፧ ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ አለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ አለዉ፧ ንሰማርያዶ ካብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም፧ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ኬድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሐኑ ኣየኖት እዮም፧ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ።
Translation | Contextኤፍሬም ህማሙ፣ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረአየ፣ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፣ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፣ ግናኸ ኬጥዕየኩም ኣይከኣሎን፣ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይኬሕውየኩምን እዩ።
Translation | Contextብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸ፡ ንዒዮንን ንአቤል-ቤት-ማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላን፡ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሐዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም።
Translation | Contextሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ አሎ።
Translation | Contextስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ።
Translation | Context