Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all14 bible verses about
ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን አሎኹ፡ ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ አሎኹ።
Translation | Contextንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ። ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ኪሀንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ኬቚሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዐነዋ ፍሩሳት ከተማታት ኪሕድሱ እዮም። ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ኪጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኪዀኑ እዮም። ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኺብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ኪሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ኪግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ኪረኽቡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና ኤፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ኪኸውን እዩ። እቶም ዚርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ኪፈልጡ እዮም። ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ። ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዜብቊል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቊል እዩ።
Translation | Contextነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሐረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዐዉሉ።
Translation | Contextብማቕን ብሓመዅስትን እና ጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ።
Translation | Contextታማር ድማ ሐመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዚብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናአእወየት ከደት።
Translation | Contextእዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ።
Translation | Contextኣብ ኩለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሑ ዘበለ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ። ብዙሓት ከአ ከሊ ተኸዲኖምን ሓሙኹስቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ።
Translation | Contextበታ ኣነ ዝገብረላ መዕልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሓመዅስቲ ኪዀኑ እዮም እሞ፣ ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
Translation | Contextእቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝአከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
Translation | Contextማርዶካይ ከአ እተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ማርዶካይ ክዳኑ ቐዲዱ ኽሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓሙኹሽቲ ነስነሰ፡ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ ብብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
Translation | Contextወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን።
Translation | Contextእዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ።
Translation | Contextወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን።
Translation | Contextስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረከሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዚቕደስ ካብ ኰነስ፡
Translation | Context