Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all10 bible verses about
ካብ ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሐዘኑ።
Translation | Contextደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄርን ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሀል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሀል ነበረት፡ ኣብኣ ጽንሃን ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሐዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዔት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዚሕዝ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዜጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።
Translation | Contextዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሐርዩ ዂሎም ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዚነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለ-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዐልዎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ። ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረ ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዐልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ። ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሐዞ። ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ። ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሐረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ። ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ፡ በለ። ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ኬግዕዞ ኣይፈተወን። እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድ-ኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ። እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ። ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውኤ። ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ። ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪአቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪሰርርን ኪስዕስዕን ከሎ ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ። ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ፡ ዳዊት ድማ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድኤ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ። ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼብ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቚራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ። ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት። ዳዊት ከኣ ንሚካል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሐቕ ዘሎኹ። ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሐስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክከብር እየ፡ በለ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።
Translation | Contextኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረ፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጽ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝአተወሉ ጊዜ ዀነ።
Translation | Contextበቲ ዘመን እቲ ምስ በዛሕኩምን ኣብቲ ምድሪ ምስ ተፋፌኹምን፡ ብናይ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣይኪዛረቡን፡ ኣይኪሐስብዋን ኣይኪዝክርዋን ድማ እዮም፡ ኣይከተድልዮምን እያ፡ ከም ብሓድሽውን ኣይኪገብርዋን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextእታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።
Translation | Contextኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለዉ ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ።
Translation | Contextነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዚምህሩ፡ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎም፡ ነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይኪዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም።
Translation | Contextበሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረ፡ ምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። ውሽጡን ግዳሙን ድማ ብጹሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፡ ክልተ ቐለበት ብሓደ ሸነኽ፡ ክልተ ቐለበት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ ገበሮ። መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ። እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኺጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑ፡ እመትን ፈረቓን ዝምግፋሑ ገበረ። ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረ። ብምቕጥቃጥ ሰሪሑ፡ ንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም። ሓደ ኪሩቤል በዚ ወሰንዚ፡ ሓደ ኪሩቤል ከኣ በቲ ወሰንቲ፡ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም። እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መሊሶም፡ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብ መኽደን መዓረቒ ኣቢሉ ነበረ።
Translation | Contextካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዚዐርፉላ ቦታ ኺደልየሎም፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም።
Translation | Context