Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

apostles


2ይ ቈረንቶስ 12:12 | 5 Helpful votes

ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባካትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ

Translation | Context
ማቴዎስ 10:2-4 | 5 Helpful votes

ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንእንድርያስ ከኣ ሓዉያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስዮሃንስ ከኣ ሓዉፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውንያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስንስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:12-16 | 4 Helpful votes

ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሐቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ። ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዚአምኑ ይውሰኽዎም ነበሩጴጥሮስ ኪሐልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኺወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዐዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዚሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሐወዩ

Translation | Context
ማርቆስ 3:13-19 | 4 Helpful votes

ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዔ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። ምስኡ ምእንቲ ኪዀኑን ኪሰብኩ ምእንቲ ኺልእኮምንዓሰርተው ክልተ ገበሮምሕሙማት ኬሕውዩ ኣጋንንቲውን ኬውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሀቦምንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳእንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ፡

Translation | Context
ማርቆስ 16:15 | 2 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ

Translation | Context
ሉቃስ 9:1-5 | 2 Helpful votes

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ኬሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሀቦምመንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩን ንሕሙማት ኬሕውዩን ከኣ ለኣኾምበሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡበትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም። ኣብታ ዝኣቶኩምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑካብኣውን መገድኹም ኪዱ። ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ኪኸውንተጐጓ እግርኹም ንገፉ

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11 | 2 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽናብ እኹል ሰብኣይናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ

Translation | Context
ማቴዎስ 19:28 | 2 Helpful votes

የሱስ በሎም፥ ንስኻርኩም ዝሰዐብኩምኒብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዚቕመጠላ ጊዜ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 2 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:1-41 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሐሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ ምስ ኣመንኩምሲመንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩምበሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናንኢሎም መለሱሉ። ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀትበልዎ። ሽዑ ጳውሎስዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዚመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስኪኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐበሎም። እዚ ምስ ሰምዑብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዚኣኽሉ ነበሩ። ኣብ ቤት ጸሎት ኣአትዩብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምንሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዚሰምዕዎክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረመኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሐድጎምርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዚዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሐደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም አሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ኪሰምዩሎም ፈተኑ። እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዚብሀል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹምኢሉ መለሰሎም። እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዚሀድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖምስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዐበየን በርትዔንእዚ ነገርዚ ምስ ተወድኤጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሐሊፉ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ብመንፈስ ሐሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለክልተ ኻብቶም ደገፍቱጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶምንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሔ። በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነድሜጥሮስ ዚብሀል ሓደ ንኣርጤምስ ዚኸውን መቕደስ ብሩር ዚሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዚሐብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባትጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም። እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑንእናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወንትርእዩን ትሰምዑን አሎኹም። እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቊጸር ክብረታውን ከይሰዐር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዜፍርሀና ዘሎ። እዚ ምስ ሰምዑኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስንእናሰሐቡ ሐቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኺኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዚበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። ኣይሁድ ንእስክንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሐብዎ። እስክንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኺምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዚኣክል ጨደሩ። እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶንከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ አለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎምነንሓድሕዶም ይካሰሱ። እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቚረጽ። በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዜብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ አሎና። ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:13 | 2 Helpful votes

ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ አለለይዎም

Translation | Context