Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all13 bible verses about
ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።
Translation | Contextኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉን ዓሳታት ባሕሪ ዅሉን ኣብ ኢድኩም ተዋህበ። ዚዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም አሎኹ።
Translation | Contextጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
Translation | Contextንዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧
Translation | Contextኣነውን ብልበይ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘቦም፡ እንስሳ ምዃኖም ከአ ባዕላቶም ኪርእዩስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዚ ኾነ፡ በልኩ። ብጽሒት ደቂ ሰብሲ ኸምቲ ናይ እንስሳ እዩ እሞ፡ ሓደ እዩ ብጽሒቶም፡ ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲእቶም ከኣ ይሞቱ፡ ንኹሎም ሓንቲ እስትንፋስ አላቶም። ኵሉ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ሰብሲ ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። ኲሎም ናብ ሓንቲ ቦታ ይኸዱ፡ ኲሎም ካብ መሬት ኰኑ፡ ኲሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ። እስትንፋስ ደቂ ሰብ ንላዕሊ ኸም እትድይብ። እስትንፋስ እንስሳ ኸኣ ናብ ትሕቲ ምድሪ ኸም እትወርድከ መን ይፈልጥ፧
Translation | Contextግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሀረና፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡ እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዚህብ ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ ዚብል የልቦን።
Translation | Contextንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረአየ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።
Translation | Contextግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧ ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡
Translation | Contextተዂላን ዕየትን ብሓደ ኺጓሰዩ እዮም፡ ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ፡ ተመን ከኣ ሓመድ ኪቕለብ እዩ። ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይኪጐድኡን ኣይኬጥፍኡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
Translation | Contextኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣ ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ ንእንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
Translation | Contextናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፥ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ።
Translation | Context