Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዚሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ። እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ። ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።
Translation | Contextነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሐርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርኤኹ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለውኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ኪዐርፉ ተባህለሎም።
Translation | Contextኣምላኽ ድማ ንያእቆብ፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሀድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ። ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ዅሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹምውን ለውጡ። ንተንስእ፡ ናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን፡ ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነበረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ፡ በሎም። ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ንያእቆብ ሀብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሐብኦ። ተጓዕዙ ኸኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዓብዪ ፍርሃት ኣምላኽ ኰነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን። ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል እያ፡ ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቅድሚ ሓዉ ኺሀድም ከሎ፡ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ኤል-ቤት-ኤል ኣውጽኣላ። ዲቦራ መጕዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ድዋ ድማ ተቐብረት። ስሙ ኸኣ ድዋ ብኽያት ተባህለ። ያእቆብ ካብ ጵዳን-ኣራም ምስ መጸ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮ፡ ባረኾ ኸኣ። ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሀልን፡ ስምካ እስራኤል ደኣ ኪኸውን እዩ፡ በሎ። ስሙ ኸኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፡ ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኺወጹ እዩም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቜኻ ኪወጹ እዮም። እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሀብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ በሎ። ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ። ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዐወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዐወ።
Translation | Contextንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ አሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም።
Translation | Contextመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።
Translation | Contextእቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና።
Translation | Context