Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

aliens


ህዝቅኤል 1:1-28 | 27 Helpful votes

ኰነ ድማ፣ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፣ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፣ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምሩኻት ከሎኹ፣ ሰማያት ትተኸፍቱራእይ እግዚኣብሄር ራኤኹ። ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓምቱቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ኩዚ፣ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፣ ናብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት። እንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ። ካብቲ ማእከሉ ኸኣ ምልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፣ ሰብ የምስልስሉነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፣ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ። ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፣ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ። በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፣ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንግን ነበሮም። ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱንነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስልኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቱኦም ድም በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም። ብላዕሊ ኺኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፣ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፣ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዚኸድና እየን። ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፣ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፣ እቲ ሓዊ ኸኣኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፣ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ። እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ። እምብኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፣ እንሆ፣ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ነንፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም። ትርኢት እቲ መንኰርዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰአኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። ኪኸዱ ኸለዉ፣ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፣ ምስ ዚኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዋም ነበረ። እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለዉ፣ እቲ መንኰርዅር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንጐርዅር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ። ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንጐርዅር ነበረ እሞ፡ እቲ መንጐርዅር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንጐርዅር ስለ ዝነበረ፣ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፣ ይኸይድ፣ ንሳቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ደው ይብል፣ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፣ እቲ መንጐርዅር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታልጠፈር ሰማይ ዚመስል፣ ኣብ ላዕሊ፣ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዚኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፣ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፣ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዚኽእልደሃይ ታኦታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩደው ኪብሉ ኸለዉ፣ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዔ። ደው ኪብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፣ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፣ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፣ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:4 | 13 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፣ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፣ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:5 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ

Translation | Context
ራእይ 9:7-11 | 5 Helpful votes

ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ አለዎኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ኸኣ አለዎደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራን ሕንዝን አለዎንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን አለዎንጉስ አለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሀል።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:12 | 4 Helpful votes

ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ

Translation | Context
ኤፌሶን 6:12 | 4 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:1-22 | 3 Helpful votes

ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብመልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየእግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰብልቡ ድማ ጐሀየእግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰኖህ ድማ ሰለስተ ወዲሴምን ካምን ያፌትንወለደምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤትስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት። ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃከምዚ ኸኣ ግበራምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመትምግፍሓ ሓምሳ እመትቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኺጠፍእሲእንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ኺመውት እዩ። ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻንናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። ካብ ዚብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ኪኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:8 | 3 Helpful votes

እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዚነፍራ ረገቢትን ዚመጹ እንታዎት እዮም፧

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:35 | 3 Helpful votes

እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶንከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧

Translation | Context
ቈሎሴ 1:16 | 3 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎዚርኤን ዘይርኤንዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነትሕልቅነት ወይስ ስልጣናትኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ

Translation | Context
ህዝቅኤል 1:7 | 2 Helpful votes

ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፣ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፣ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 97:6 | 2 Helpful votes

ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፣ ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ

Translation | Context
እብራውያን 11:13 | 2 Helpful votes

እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተአመኑብእምነት ሞቱ

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:40 | 2 Helpful votes

ሰማያዊ ስጋ ድማ አሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ አሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበርንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡበለ

Translation | Context
ራእይ 12:12 | 2 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውንተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም

Translation | Context
ነህምያ 9:6 | 2 Helpful votes

ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱንምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ

Translation | Context