Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all6 bible verses about
መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዚነኣዶ ይፍለጥ።
Translation | Contextእዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
Translation | Contextምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ።
Translation | Contextቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፣ ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ።
Translation | Contextርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዚግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ አሎና። እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ አሎ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዚገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ ንሱ ንሓጢኣት ኬርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዚገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዚገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኡሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ኪገብር ኣይኰነሉን እዩ። ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ አሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዐጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና። ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። ከምቲ ንሱ ዝሀበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። እቲ ትእዛዛቱ ዚሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዚነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሀበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።
Translation | Contextሙሴ ድማ፡ እንሆ፡ ንሳቶም፤ እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ኪብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ። እግዚኣብሄር ድማ፤ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፤ በትሪ፡ በለ። ንሱ ድማ፤ ናብ ምድሪ ደርብያ፡ በለ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኰነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሀደመ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሐዞ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑውን ሐዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ። እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኺኣምኑ እዩ። እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፤ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት። ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት። ኪኸውን ድማ እዩ፡ እንተ ዘይአመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ፡ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኺአምኑ እዮም። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይአመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዐዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ኪኸውን እዩ። ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፤ ኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧ ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ በጃካ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ፡ በሎ። ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፧ ንሱ ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈጥ አሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኪቕበለካ ይወጽእ አሎ፡ ምስ ረአየካ ድማ ብልቡ ኺሕጐስ እዩ። ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኰይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይዀነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትዀኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ። ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ዉሰዳ። ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ኽርኢ ክኸይድ፡ በሎ። የትሮ ኸኣ ንሙሴ፤ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ እቶም ንነፍስኻ ዚደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም ኢዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመለሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ነተን ክትገብረን ኣብ ኢድካ ዝሀብኩኻ ዅለን ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገበረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሐድጎን። ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡ እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ። ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ኪቐትሎውን ደለየ። ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለቶ። ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፤ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዐሞ ኸኣ። ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ዅሉ ቃልን እቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ትእምርትታትን ንኣሮን ነገሮ። ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ። ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበባኦምውን ከም ዝረአየ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
Translation | Context