Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

adult children


ምሳሌ 22:6 | 17 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 12 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 12 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካበለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድርብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:3-6 | 10 Helpful votes

ንሱ መሊሱ በሎምስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ አሎኹም፧ ኣምላኽኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ ሞት ይሙትበለ። ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዚብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:26 | 10 Helpful votes

ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:1-29 | 10 Helpful votes

ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ። ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ። ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ። ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ። እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዚሕልዋ ካብኡ ይርሕቕንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ። ንድኻ ሃብታም ይገዝኦተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ። እቲ ኣበሳ ዚዘርእ መከራ ይዐጽድብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ። እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኺወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ኪውዳእ እዩ። እቲ ንጽህና ልቢ ዚፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ። ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቓላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ አሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብልኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖንድኻ ዜጥቅዖ የሀብትሞንሃብታም ዚህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ። ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብእምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ። ነቶም ዚልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሐፍኩልካን እየ፧ እግዚኣብሄር ኪማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ኪገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮመገዱ ምእንቲ ኸይትምሀር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሐዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ። ካብቶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰአንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድኣቦታትካ ዜቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል። ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም፡ ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን

Translation | Context
ኤፌሶን 6:2-3 | 8 Helpful votes

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።

Translation | Context