Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all5 bible verses about
ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።
Translation | Contextከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።
Translation | Contextኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።
Translation | Contextሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ። ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሐደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም። እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። ኣበሳ ምእንቲ ኺዐዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝኤ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ኪገዝእ እዩ።
Translation | Context