Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all1 bible verses about
ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም። ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧ እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።
Translation | Context