Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

accidental killings


እያሱ 20:1-9 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ኪሀድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ኪዀናኹም፡ እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቈቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን። ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኺሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዚነብረላ ቦታ ድማ ይሀብዎ። ነቲ ብጻዩቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጐጎ፡ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሀብዎ። ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዚቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሀደመላ ኸተማ፡ ይእቶ። እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ። ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ እታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ። እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዚነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዚብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲኪሀድመለን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 8 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝናንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ

Translation | Context
ዘዳግም 19:1-10 | 8 Helpful votes

ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካምድሮም ዚህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ። ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኺሀድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዚህበካ ዶብ ምድርካ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ። ናብኡ ዝሀደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኺድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለዕጨይቲ ኪቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረኦም ኪቘርጽ ኢሉ፡ ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሀዲሙ ድማ ብህይወት ይንበርቀደም ጽልኢ ስለ ዘይነበሮሞት ዘይግብኦ ኽነሱእቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ እቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሐቐ ኸኣ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ፡ ስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ አሎኹ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሐለሎምዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሀበካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዚኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ። እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዚህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ኣብ ልዕሌኻ ደም ከይከውን እዩ።

Translation | Context