Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

abraham


ዘፍጥረት 12:1-20 | 10 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፤ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾምንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም። ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ኪወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉንነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ፡ ንምድሪ ኸነኣን ኪኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮእዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ። ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፡ እሞ ቤት-ኤል ብሸነኽ ምዕራቡዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሔብስም እግዚኣብሄርውን ተማህለለኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዐዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ። ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዔ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ኪቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደኰነ ኸኣ፡ ናብ ግብጺ ኺኣቱ ምስ ቀረበንሰበይቱ ሳራይእንሆመልክዔኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ አሎኹ እሞ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዚርእዩኺሰበይቱ እያ ኺብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺእምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ኪጥዕምነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲሓብቱ እየ ደኣ በሊ፡ በላ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዔኛ ምዃና ረኣዩ። እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲ ውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገበረሉኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላዉን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ። እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራምንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑእንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሃትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ፡ በሎ። ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ኬሰንይዎም፡ ኣዘዘ

Translation | Context
ገላትያ 3:6-9 | 4 Helpful votes

ከምቲኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል፡ እምበኣርስ እቲ መንፈስ ዚህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዚገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፡ እምብኣርከ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። እቲ ጽሑፍውንኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከም ዜጽድቖም፡ ቅድም ርእዩንኣብርሃምኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኺባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮእምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒኪባረኹ እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 21:2 | 3 Helpful votes

ሳራ ድማ ጠነሰትበቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ

Translation | Context
እብራውያን 11:17 | 2 Helpful votes

ኣብርሃም ምስ ተፈተነብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:1-16 | 2 Helpful votes

ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደበለ ድማጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ምገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒእእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስልብኹም ክትድግፉቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉበለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን አትዩቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲበለኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉምጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሀቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ። ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ አላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት። ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐትድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ኪልዓለኒጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራኣሪገ ኸሎኹስብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐትንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር አለዎንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ፡ በሎ። ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩንኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋልስሒቕኪ እባ ደኣበላ። እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ

Translation | Context
ዘፍጥረት 15:6 | 2 Helpful votes

ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ

Translation | Context
እብራውያን 11:8 | 2 Helpful votes

ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔኤብእምነት ተኣዘዘናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:8-10 | 2 Helpful votes

ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውንናብ ህዝቡ ኸኣ ተአከበደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማኽጴላ ቐበርዎ። ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሻየጣ ግራትኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ

Translation | Context