Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all20 bible verses about
ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ አትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ።
Translation | Contextእቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡ ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል።
Translation | Contextሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብአ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብአ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።
Translation | Contextሙሴ ድማ በሎም፡ ንዅለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡ እንሆ፡ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኰነ። ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን።
Translation | Contextኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ።
Translation | Contextካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋምካ ንጓል ኣንስተይቲውን ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።
Translation | Contextንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጸሮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቊጸሮም። ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቘጸሮም። ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን።
Translation | Contextሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።
Translation | Contextእንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።
Translation | Contextኣይትቕተል።
Translation | Contextንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።
Translation | Contextየሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ።
Translation | Contextዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም።
Translation | Contextሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።
Translation | Contextካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል።
Translation | Contextከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።
Translation | Contextኤፍሬም ተወቕዔ፣ ሲሮም ነቐጸት፣ ፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።
Translation | Contextካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ።
Translation | Contextእዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ።
Translation | Context