Browse by letter (More than 5,000 topics available):
A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all19 bible verses about
ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡ ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው፡ እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡ ሓሶት ዚዛረባ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዚዘርእ።
Translation | Contextከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብአይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ።
Translation | Contextእቲ ንዓማጺ ናጻ ዜውጽኦን ንጻድቕ ዚዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
Translation | Contextእቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።
Translation | Contextዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
Translation | Contextሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
Translation | Contextስለዚ ኣምላኽ ንዜነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሀቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦኤን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ።
Translation | Contextሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዚገብሩ ግና የሐጕስዎ።
Translation | Contextመስዋእቲ ረሲኣን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።
Translation | Contextኣነ እፈልጦ እየ፡ ዚብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን።
Translation | Contextእቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሐጕስዎ።
Translation | Contextብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።
Translation | Contextእቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።
Translation | Contextእግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዚስዕብ ግና የፍቅሮ።
Translation | Contextእኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።
Translation | Contextክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲኤን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን።
Translation | Contextእቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።
Translation | Contextዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
Translation | Context