Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

10 commandments

ዘጸአት 13:18 | 19 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ

Translation | Context
13:1-18 | 9 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ

Translation | Context
13:16-18 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 14:1-20 | 4 Helpful votes

ኣቢያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰኣብ ከተማ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። በቲ ዘመኑ እታ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ዐርፈትኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ። ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮንኣስታርቴታትውን ቈራረጾንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን ኣዘዞምነቲ በረኽትን ምስልታት ጸሓይን ከኣ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ወገደ፡ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ህድእቲ ነበረት። እታ ሃገር ህድእቲ ስለ ዝነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዕረፍቲ ስለ ዝሀቦበተን ዓመታት እቲኤን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሔንይሁዳ በሎንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስእዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና አላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚኤን ንስርሓየን ብመንደቓትን ግምብታትን መዓጹን መሃርሃርን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና አሎ። ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ። ኣሳ ኸኣ ዋላቱን ኲናውትን ዚጾሩ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፡ ካብ ብንያምውን ዋላቱ ዚጾሩን ፍላጻ ዚውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ነበርዎ። እዚኣቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኺዋግኦም ወጸናብ ማረሻ ኸኣ መጸኣሳውን ኪገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዜብሉን ኪረድእ ዚኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጻጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ርድኣና። ዎ እግዚእብሄር ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ። እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮምኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዜምልጥ ክሳዕ ዚሰኣኖም ወደቑኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ። ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዐርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወንድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ

Translation | Context
እዝራ 6:1-22 | 3 Helpful votes

ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኺደልዩ ኣዘዘ። ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ነመዘከርታ እተጻሕፎ ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ አዘዘ፡ እታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዚስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕመሰረታ ጽኑዕ ይኹንቁመታ ስሳ እመትምግፍሓ ኸኣ ስሳ እመትኣርባዕተ ዝመአዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል። እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ ዮርሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸኣ፡ ኣብ መቕደስ ዮርሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ። እምበአር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታር-ቦዝናይ ንስኻትኩም ከኣ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ። እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዐየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ። ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዚግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዚኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ኪወሀብ ኣዘዝኩንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኼቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ኪጽልዩሉስኵሉ ዜድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዚሐርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እቶም ኣብ ዮርሳሌም ዘለዉ ኻህናት ዝበሉኹም ኵሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሀብዎም። ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን አዚዘ አሎኹ። ነዚ ኺልውጥን ነታ ኣብ ዮርሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ኬፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዚዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍአዮኣነ ዳርዮስ አዘዝኩብጥንቃቐ ይግበርዎ። ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባንሽታር-ቦዝናይን እቶም ብዞቶምንንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝአዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ። እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዐየዮም ፈጸምዎእታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመትደቂ እስራኤልካህናትን ሌዋውያንን ኲሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብልዐልዎ። ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑልኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንዅላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ካህናት በብስርዓቶምሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ ዮርሳሌም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ኣቖሙ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዐሉ። ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ዅላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ዅላቶምን በልዑእግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤልንምስራሕ ኣእዳዎም ኬጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጒስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጐስ ኣብዐሉ

Translation | Context
9:13 | 3 Helpful votes

ሉቃስ 18:18 | 2 Helpful votes

ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበርኢሉ ሐተቶ

Translation | Context
ዮሃንስ 12:1-17 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋናብ ቢታንያ መጸኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶእታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤትካብ ቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበርንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ የሱስድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም አለዉንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋበለድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብየሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበርምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢየሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹእናጨደሩ ኸኣሆሳእናብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮንኣይትፍርሂእንሆንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈየሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግናሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩእቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:4 | 2 Helpful votes

ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያንኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ

Translation | Context
17:9 | 2 Helpful votes

ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያንኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ

Translation | Context
ዘጸአት 20:1-26 | 7 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበርኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕልመዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክርሹድሽተ መዓልቲ ዕየተግባርካ ዅሉ ግበርእታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዚነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየእግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳንኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብርኣይትቕተልኣይትዘሙኣይትስረቕኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክርቤት ብጻይካ ኣይትተምነሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡግዝእቱብዕራዩኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ኪተክኽን ረኣዩእቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡርሒቖም ድማ ደው በሉ። ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢናኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውትኣይዛረበናበልዎሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ኪኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁበሎምእቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበእግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩመሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዚሐርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻንኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺኤ ኽባርኸካ እየ። መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲብመሳልል ኣይትደይብ።

Translation | Context
ገላትያ 5:14 | 5 Helpful votes

ማለት ኵሉ እቲ ሕጊብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:8-10 | 3 Helpful votes

እቲ ንብጻዩ ዜፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። እዚ፡ ኣይትዘሙኣይትቕተልኣይትስረቕብሓሶት ኣይትመስክርኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዚብል ቃል ክቱት እዩ። ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ።

Translation | Context