61 reference found for ዘፍጥረት 1:1
3. ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዚርኤ ኻብ ዘይርኤ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ አሎና።
Tools | Context1. ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።
Tools | Context18. እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን።
Tools | Context10-11. እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።
Tools | Context4. ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ።
Tools | Context5. እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቊሎን ዝዘርግሔ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ፡ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡
Tools | Context24. እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሀንጸ መቓድስ ኣይሐድርን እዩ።
Tools | Context10. ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
Tools | Context16. ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።
Tools | Context11. እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዐረፈ። ስለዚ እግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን።
Tools | Context6. ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ዅሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ።
Tools | Context5. ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ።
Tools | Context24. እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡
Tools | Context5. ምሕረቱ ንዘለአለም ይነብር እዩ እሞ፣ ነቲ በእምሮ ንሰማያት ዝገበረ፣
Tools | Context7. ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ።
Tools | Context17. እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ በቲ ዓብዪ ሓይልኻን በቲ ዝርጉሕ ቅልጽምካን ሰማይን ምድርን ዝገበርካ ንስኻ ኢኻ። ንኣኻ ዘይከኣለካ ነገር የልቦን።
Tools | Context12. ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።
Tools | Context15. እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም አሎና።
Tools | Context15. በቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እተባረኽኩም ኢኹም።
Tools | Context15. ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ በእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ።
Tools | Context22. እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ።
Tools | Context19. እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ።
Tools | Context6. ንሰማይን ምድርን፣ ንባሕርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ፣ ንሓቂ ኽሳዕ ዘለአለም ዚሕሉ፣
Tools | Context2. ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡
Tools | Context25. ካብ ጥንቲ ንምድሪ ሰረትካያ፣ ሰማያት ከኣ ግብሪ ኣእዳውካ እዮም።
Tools | Context6-7. ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ኪነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኺፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ህያው ኰይኑ ዚነብር መሐለ።
Tools | Context2. ኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ።
Tools | Context6. ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።
Tools | Context26. ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ፡ በብስሞም ዚጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።
Tools | Context28. እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧
Tools | Context8-9. ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።
Tools | Context16. ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ።
Tools | Context24. ዎ እግዚኣብሄር፣ ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ፣ ንዅሉ ብጥበብ ገበርካዮ፣ ምድሪ ብሃብትኻ መሊኣ አላ።
Tools | Context13. ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኲሉ ጊዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ አሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ አሎ፧
Tools | Context3. ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣
Tools | Context16. ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ኸኣ ክስርታ፡ ንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፡ ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ።
Tools | Context6. ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ።
Tools | Context4. ኣቱም ናይ ሰማየ ሰማያትን ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዘሎኹም ማያትን፣ አመስግንዎ።
Tools | Context11. ሰማያት ናትካ እዩ፣ ምድሪውን ናትካ እያ፣ ንዓለም ምስ ምልኣታ ሰሪትካያ።
Tools | Context8. ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።
Tools | Context24. እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሐቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡
Tools | Context1. ጾር ቃል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል። እቲ ንሰማያይት ዝዘርግሖ፣ ንምድሪ ድማ ዝሰረታ፣ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጢ ዝደኰኖ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣
Tools | Context4. ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ።
Tools | Context30. ትንፋስካ ትልእኽ፣ ይፍጠሩ፣ ንገጽ ምድሪውን ትሕድሳ።
Tools | Context19. ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡
Tools | Context36. ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።
Tools | Context3. ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይባርኽካ።
Tools | Context4. እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።
Tools | Context9. እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ።
Tools | Context2. ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።
Tools | Context18-19. ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ።
Tools | Context1. እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኤናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡
Tools | Context5. ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
Tools | Context26. ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
Tools | Context13. ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡ ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ።
Tools | Context14. ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡
Tools | Context17. እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ናብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ።
Tools | Context13. ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።
Tools | Context1. ክፉእ መዓልታት ከይመጸ፡ ባህ ኣይበለንን እትበለሉ ዓመታት ከአ ኸይቀረበ ኸሎ፡ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።
Tools | Context6. ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
Tools | Context25. በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ።
Tools | Context