ወረስቲ ኣምላኽ [Sunday 5th May 2024]

Posted on 2024-05-05 · 711 · 0 · 0

122 resources uploaded

...ውሉድ ካብ ኰንካ ግና ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።” ገላ.4:7ለ

ሓደ ካብቲ ባህ ዘብል ናይ ኣምላኽ ነገር መሰል ውልድነት ምውሃቡ እዩ። እዚ መሰል ውልድነት እዚ ብምርዓም (adoption-ንዘይውሉድካ ከም ውሉድካ ምቕባል) ዝርከብ ዘይኮነስ ብዳግም-ልደት (regeneration) ዝርከብ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ የሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ “ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡” ዝበሎ (ዮሃ.3:3)።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኹላትና ሰዓብቲ ክርስቶስ ቀደም ባሮት ሓጥያት ከም ዝነበርና ሕጂ ግና ብሞት ክርስቶስ ውሉዱ ኣምላኽ ከም ዝኾንና እዩ ዝነግረና። ባርያ ኣብ ትሕቲ ጐይታኡ ይነብር፡ ውሉድ ግና ኣብ ትሕቲ ኣቡኡ። ባርያ ዘርኢ ናይ ጐይታኡ የብሉን፡ ውሉድ ግና ተማቓሊ ባህሪያት ኣቡኡ እዩ። ባርያ ንጐይታኡ ብራዕዲ ይግዝኦ፡ ውሉድ ግና ነቡኡ ብፍቕሪ ይግዛእ። ባርያ ድኻ እዩ፡ ውሉድ ግና ሃብታም። ዝያዳ ኹሉ ድማ ባርያ ኣይወርስን እዩ፡ ውሉድ ግና ወራሲ እዩ። ስለዚ ድማ ብሞት ክርስቶስ ውልድነት ኣምላኽ ዝረኸብና፡ ውልድነትና ኣብዛ ምድሪ ከየብቅዐ፡ ነታ ብኢድ ሰብ ዘይኮነስ ብኢድ ኣምላኽ እተሃንጸት ሰማያዊት ቤትና እንወርስ ወረስቲ ኣምላኽ ኢና እሞ ባህርያት ኣቦና ወሪስና ንመላለስ።

ጸሎት: ዎ’ኣምላኽ ብሞት ወድኻ ወራሲ ስለ ዝገበርካኒ ብኢድካ እተሃንጸት ሰማያዊት ቤት’ውን ስለ እተውርሰኒ ኤመስግነካ ኣለኹ። ኣብዛ ምድሪ ድማ ዕለት ዕለት ናትካ ባህርያት ሒዘ ክመላለስ ጸጋኻ ኣብዝሓለይ። ብስም የሱስ ኣሜን!

0 comments